ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ግጭት 1,216 ኢንዳስትሪታት ስራሕ ደው ምባሎም ተገሊጹ


ካርታ ኢትዮጵያ
ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ንደሓር ኣብቲ ክልል እንዳሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ግጭት ስዒቡ ኣብ ምዕራብን ምብራቅን ጎጃም ከምኡ'ውን ኣብ ደብረብርሃንን ዝርከቡ 1,216 ኢንዱስትሪታት ስራሕ ደው ምባሎም መንግስቲ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኢንዱስትሪን ወፍሪን’ቲ ክልል ኣቶ እንድሪስ ኣብዱ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቶም ኢንዱስትሪታት ስርሖም ደው ዘበሉ ብሰንኪ ምዕፃው መንገድን ምቁራፅ ኢንተርነትን ስልክን’ዩ ኢሎም።

ብሰንኪ’ዚን ምዕናው ሓያለ ፕሮጀክታት ልምዓትን ኣብ ቁጠባ ዓብይ ተጽዕኖ ከምዝፈጠረን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከኣ ንስራሕ ኣልቦነትን ምቅልዖምን’ውን ወሲኾም ገሊፆም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG