ባህርዳር —
ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንክሕከሙ ቦርድ ሓካይም እንተኣዘዘ እውን መንግስቲ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ፀገም ጥዕንኦም እናገደደ ከምዝኸደ ዋና ኣዛዚ ነበር ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ተዛሪቦም።
እቶም ጀነራል ኣብ እዋኑ ሕክምና ብዘይምርካቦም ብፅኑዕ ከምዝሓመሙ ተዛሪቦም ኣለው።
ብዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ መነን ሃይለ ብወገነን ንሕክምና ናብ እስራኤል ንምጉዓዝ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በፅሑ ካብ ላዕሊ ትእዛዝ ተዋሂቡ እዩ ብዝብል ከምዝተኸልከሉ ገሊፀን።ዝኸልከለ ኣካል ንምፍላጥ ፃዕሪ ገይረን ከምዘይተዓወታ ብምግላፅ ኣብ ቀረባ ክሲ ከምዝምስርታ ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ተዛሪበን ኣለዋ።
ካብ መንግስታዊ ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።