ኣብ ከተማታት ዳባትን ደባርቕን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን መንግስቲን፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ሎሚ ሰሉስ’ውን ዝቕጽል ዘሎ ምልውዋጥ ተዅሲ ብውሑዱ ሸሞንተ ዜጋታት ተቐቲሎም ኣስታት 30 ድማ ሕክምናዊ ረዲኤት ከም ዝተገብረሎም ምንጭታት ሕክምና ሰሜን ጎንደር ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ኮነ ሚሊሻ ፋኖ ብዛዕባ’ቲ ዝተሓደሰ ጎንጺ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
እቲ ጎንጺ ናብታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ጎንደር’ውን ምልሓሙ፡ ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ነበርቲን ኣመሓደርቲን ኣብሪሆም።
ብዘይካ’ቶም ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ዝሞቱ፡ ቍጽሮም ብልክዕ ንምፍላጦም ዘይተኻእለ ካልኦት’ውን ምዉታት ከም ዘለዉ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለው።
እንተዀነ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት መራኸቢታትን ስእነት ቀረባትን ግን ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ምሉእ ስእሊ ክረክብ ኣይከኣለን።
ዳባት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምብሉ ዘለዉ ወረዳ’ዩ። እንተዀነ እቶም ስደተኛታት በዚ ዝደሓረ ጎንጺ ከም ዘይተተንከፉ፡ ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ መዓስከርን ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳን ገሊጾም።
ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ግጭት ንግዳዊ ትካላትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ንኽልተ መዓልታት ተዓጽዩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ