ኣዲስ ኣበባ —
ብሰንኪ ኣብ በበይኑ ክልላት ኢትዮጵያ ዝረኣ ዘሎ ግጭታት ቍጽሪ ናብ ትምህርቲ ዝተመልሱ ተማሃሮ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ ዓመት 6.2 ሚሊዮን ተማሃሮ ንምምዝጋብ መደብ እኳ እንተነበሮ፡ ዛጊት ዝተመዝገቡ ግን ልዕሊ 2.9 ሚሊዮን ጥራሕ ከም ዝኾኑ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ጌታቸው ቢያዝን ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ምዝርጋሕ ግን ፅቡቕ ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፡ 7.4 ሚሊዮን ናይ መምሃሪ መፅሓፍቲ ንምብፃሕ ስራሕቲ ይሳለጡ ምህላዎም ተዛሪቦም። ቤት ጽሕፈት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እውን ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት 305,000 ተማሃሮ ንምምዝጋብ ዝነበሮ መደብ ከም ዘይተዓወተ ካብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ እቲ ክልል ኣቶ ምትኩ ዘነበ ንድምፂ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።
ሎሚ ዓመት ብደረጃ ሃገር ክንደይ ተማሃሮ ከም ዝተመዝገቡ፣ ካብ ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን ።
ቅጥዒ