ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ዋግ ኽምራ ቁጽሪ ብድርቂ ዝሞቱ እንስሳ ልዕሊ10- ሽሕ ምብጽሑ ተገሊፁ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግ ኽምራ ቁጽሪ ብድርቂ ዝሞቱ እንስሳ ዘቤት ልዕሊ 10- ሽሕ ምብፅሑ ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሓደጋ ምክልኻል ውሕስና መግብን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ምህረት መላኩ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ 6-ሽሕ እንስሳ ዘቤት ምሟቶም ሓቢሮም: ኣብዚ እዋን እቲ ቁፅሪ ክውስኽ ዝኸኣለ ጎናጎኒ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀለብ እንስሳት ንምእካብ ጠመተ ተዋሂቡዎ ስለዘይተሰርሐሉ ምዃኑ ወሲኾም ኣብሪሆም።

መንግስታውን ዘይመንግስታዊን ትካላት እዚ ንቀለብ እንስሳ ዝውዕል ሓገዝ ኣብ ምትእኽኻብ እንተዘይኣተኲሮም ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ክዛይድን ነበርቲ እውን ከባቢኦም ሓዲጎም ክመዛበሉ ከገድዶም ምዃኑ እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሓደጋ ምክልኻልን ውሕስና መግብን እቲ ዞባ ኣጠንቂቆም።

ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሓደ ሓረስታይ ክልተ ዝሓርሱሎም ዝነበሩ ኣብዑር ዝርከብዎም ሸሞንተ እንስሳታቶም ድሕሪ ምሟቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብምዃኖም ካብቲ ኸባቢ ክወፁ ብዘይምኽኣሎም ምስ ጥምየት ተፋጢጦም ምህላዎም ሓቢሮም።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ ምስ ድርቂ ተተሓሒዙ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ዘዘኻኸሩ ምህረት መላኩ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ድማ በቲ ድርቂ ከምዝተጸልው ካብዚኦም እቶም 180-ሽሕ ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ምዃኖም ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG