ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ዕጥቆም ከምዝፈትሑ ኣፍሊጡ


ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ክልል'ታ ሃገር ብዝተወደበ መልክዕ ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ አካላት ዕጥቖም ከምዝፈትሑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮምሽን ሎሚ ዓርቢ ተዋጋእቲ ነበር ዳግም እግሪ ንክተኽሉን ብውግእ ዝዓነው ትካላት ንክሕደሱን ዘኽእል ምምይጥ ምስ ላዕለዎት አመራርሓ ክልል ኣምሓራ ኣሳሊጡ ኣሎ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ዝተዛረቡ ኮምሽነር'ቲ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ብዝተወደበ መልክዕ ኣብ ውግእ ይሳተፍ ዝነበረ ዕጡቅ ሓይሊ፣ ዕጥቁ ክፈትሕ’ዩ ኢሎም።

"ተዋጋኢ ነበር ማለት መን እዩ፧ ዕጥቂ ንምፍታሕ ዘሐግዝ ምትእምማን’ከ አሎ’ዶ፧ ክልል ትግራይ መዓስ ዕጥቁ ኣውሪዱ፧ ዝብሉ ዝቀረብሎም ሕቶታት ኣምባሳደር ተሾመ መልሲ ከምዝሃብሉ ምሃቦም'ውን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG