ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ እሱራት ዘቕረብዎ ጥሕሰት መሰላት ዝምልከት ኢሰመጉ መርመርኡ ከቕርብ ኣዚዙ


ቤት ፍርዲ ብገበን ሸብራ ተኸሲሶም ጥሕሰት መሰላት ከምዘጋጠሞም ጥርዓን ናይ ዘቕረቡ ውልቀሰባት ጉዳይ ብዝምልከት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ውጽኢት መርመራ ከፍልጥ ኣዚዙ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ብምቕታልን ስልጣን ክልልን ፌደራልን ብሓይሊ ንምቁፅፃር ሓሲቦም ተባሂሉ ብተግባር ግብረሽበራ ዝተጠርጠሩ ተኸሰስቲ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ኣብ ናይ ሎሚ መስርሕ ፍርዲ ጥርዓን ዘቕረቡ ተኸሰስቲ “ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪትና ቃልና ኣብ እንህበሉ እዋን ፖሊስ ምስ ክኢላታት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተረኺቦም ብምንባሮም ጸቕጢ ፈጢሩልና ኣሎ ክብሉ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ሓደ ካብቶም ጥርዓን ዘቕረቡ 67 ዓመት ዝዕድሚኦም ዶክተር መሰረት ቀለመወርቅ ምዃኖም ብምጥቃስ "ወዲ ወደይ ክኸውን ብዝኽእል ፖሊስ ተሃሪመ" ኢሎም። ንሶም ቃሎም ንሰብ-ሞያ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝህብሉ እዋን ፖሊስ ኣብቲ ክፍሊ ምንባሩ እውን ሓቢሮm። ሰብ ሞያ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኖም እቲ ተግባር ቅኑዕ ዘይምንባሩ ብምግላፅ ይቕሬታ ሓቲቶም።

ካልእ ኣብቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ተኸሰስቲ ካብ ዘልዓልዎም ሕቶታት ኣብ ምሃብ ፍትሒ ምድንጓያት ይረአ ኣሎ፣ ዳያኑ ካብ ፀቕጢ መንግስቲ ነፃ ኣይኾኑን ዝብልን ብዛዕባ መርመራታቶም ንዝቀረበሎም መርትዖ ንኸይርእዩ ኤሌክትሮኒክስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣቱን ብዝብል ምኽልካሎም ይርከብዎም። ዳያኑ ብወገኖም ካብ ፀቅጢ መንግስቲ ነፃ ምዃኖምን ዓቃቢ ሕጊ ሕጊ ቤት ማእሰርቲ እዩ ክብል ንዘቅረቦ ምኽንያትብምንፃግ እሱራት ዝቀረበሎም መርትዖ ኣብ ፍላሽ ንዘሎ መረዳእታ ዝሰምዕሉ ቦታን ዘድልዮም ናውትን ክቐርበሎም ኣዚዙ።

ዓቃቢ ሕጊ ሰለሞን ገዛከኝ ኣብ ልዕሊ 51 ተኸሰስቲ ዝቐረበ 71 ገፃት ዝሓዘ ክሲ ዘቅረቡ ኮይኖም ተኸሰስቲ ፖለቲካዊን ውድባዊ ዕላምኦምን ንምስጓም “መበገሲና ኣምሓራ መወዳእታና ድማ ኢትዮጵያ” ዝብል ተግባር ግብረሽበራ ፈፂሞም ንሞት 217 ሰባት ምኽንያት ኮይኖም ክብል ይኸስስ።

ካብቶም 51 ተኸሰስቲ እቶም 27 ኣብ ዘየለውሉ ዝተኸሰሱ እዮም። ቤት ፍርዲ ነቲ ናይ ሎሚ ክትዕን ዝወሃብ ውሳነን ንምስማዕ ንሓሙስ 15 2015 ሰነ ቆፀሮ ሂቡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG