ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ስጉምቲ መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኵናት ምጉህሃሩ ነበርቲ ይገልጹ


ከተማ ባህር ዳር- ፋይል
ከተማ ባህር ዳር- ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ዕጡቅ ጉጅለ ፋኖ ወታሃደራዊ ስርሒት ከምዘፅዕቅ ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኩናት ተጉሃሂሩ’ሎ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደጋ ዳሞት ነበርቲ ከተማ ፈረስ ቤት ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ከተማ ሞጣ ቀራንዮን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ጀሚሩ ምስ ተዋጋእቲ ፋኖ ፀፀኒሑ ዝካየድ ጎንፅታት ምንባሩን ካብተን መንግስቲ ዝቖጻጸሮ ከተማ ውፅእ ካብ ዝበለ ድምፂ ጠያይት ከምዝስማዕ ሓቢሮም’ለዉ።

ነበርቲ’ታ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ትምህርቲ ኣድቨንቲስት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ከተማ ተኸታታሊ ነትጉ ምንባሩ ሓቢሮም’ለዉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ 7 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኩሎም አካላት ንሲቪላውያን ሰባትን ንብረት ሲቪል ዒላማ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ፀዊዑ’ሎ።

ዓለምለኸ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረኣ ሰባት ብጅምላ ብምእሳር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ’ዩ። ካብ 28 መስከረም ንደሓር ኣብ ዓበይቲ ከተማታት መላእ ክልል ኣምሓራ ኣባላት ማሕበረሰብ ምሁራን ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምእሳሮም'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ክሲ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዝበሎ ንሲቪል ሰራሕተኛታት ኣባላት ፓርትታት ፖለቲካ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ሲቪክ ማሕበረሰብን ብሃውሪ ተኣሲሮም ንዝብል ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ትካል ወሲኹ ካብቶም ዝተኣስሩ ብዙሓት ወግዓዊ ምርመራ ዘይተገብረሎምን ብመሰረት ሕጊ ዘቀመጦ ወሰን ግዜ ከኣ ናብ ቤት-ፍርዲ ዘይምቅራቦምን ገሊፁ’ሎ።

ተተካኢት ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ራኬብ መሰለ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ካብ ፍርቂ መሰከረም ጀሚሩ ኣብ ጎንደር ባህርዳርን ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል መንግስቲ ምኽባር ሕጊ ክብል ብዝፀወዖ ይፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ኣገባብ ሕጊ ክህልዎ ንመንግስቲ ምሕታታ ገሊጻ'ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG