ዋሽንግተን —
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደብረኤልያስ ወረዳ ደጎልማ ኣብ ዝርከብ ገዳም ስላሰ ኣንድነትን ከባቢኡን ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ ሲቪላትን ካብ ምክልኻል ሰራዊትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከም ዝተጎድኡ ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታልን ይገልጹ`ለዉ።
ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ወረዳ ደብረ ኤልያስ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ገዳም ናይ ዕጡቓት መሕብኢ ብምዃኑ ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ገዳም ፍሉይ ስርሒት ምክያዱን ኣብ ልዕሊ`ቲ ገዳም ግን ጉድኣት ከምዘይወረደ ኣፍሊጡ`ሎ።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓኪም ሆስፒታል ደብረ ኤልያስ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ካብ 200 ዘይወሕዱ ኣባላት ምክልኻል ቆሲሎም ናብቲ ሆስፒታል ምእታዎምን ካብ መንጎኦም 10 ህይወቶም ምሕላፉን ጠቒሱ። ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ትማሊ መግለጺ ዘውጽአ ርክብ ህዝቢ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ጉዳይ ኣጻሪና ኣብ ቀረባ ንምእመናን ምሉእ ሓበረታ ክንህብ ኢና ኢሉ`ሎ።
ቅጥዒ