ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም፣ ወረዳ ጃቢጠህናን ከተማ ጅጋ፣ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቃት ፋኖን ንዝተወለዐ ግጭት ስዒቡ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቀትሉ ተፈሊጡ።
ብመሰረት’ዚ፣ ሓንቲ ንወትሃደራት መንግስቲ ጽዒና ካብ ደንበጫ ናብ ፍኖተ ሰላም ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና፣ ብዕጡቃት ፋኖ መጥቃዕቲ ድብያ ከምዘጋጠማ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ገሊጾም።
እቶም ድብያ ዝፈጸሙ ዕጡቃት ካብ’ቲ ከባቢ ድሕሪ ምልቃቆም፣ ወትሃደራት መንግስቲ፣ ኣብ መዛነዪ ስፍራን ኣብ ጽርግያን ንዝረኸብዎም ዘይተዓጠቁ ሰባት ከምዝቀተሉ እቶም ሪኢና ዝብሉ ሓቢሮም።
ንከተማ ጅጋን ከባቢኣን ወኪሎም ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣቶ አበባው ደሳለው’ውን ነቲ ሞት ሰላማዊያን ሰባት ኣረጋጊጾም ኣለው።
ብዛዕባ’ዚ ርእይቶ ዝተሓተቱ ሓላፊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጨንፈር ባህርዳር ኣቶ ኣለባቸው ብርሃኑ አማውታ’ቶም ግዳያት ይጻረ ከምዘሎ ጠቂሶም።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ጃቢጠህናን ኣቶ የቻለ ይርጋን ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዶ/ር መንገሻ ፈንታን ብስልኪ ንምሕታት ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ዝሓለፈ ወርሒ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ሚንስተር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ "ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ስጉምቲ ዝወስድ፣ ንናይ ሰላማዊያን ሰባት ድሕነት ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ" ምባሎም’ውን እቲ ዜና ይሕብር።
ቅጥዒ