ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእኸላይ ኮሚቴ ብኣዴን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣቦ ወንበር ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ድማ ምኽትል ኣቦ ወንበር ገይሩ ሸይሙ


ኣኼብኡ ሎማ ዝዛመ ማእኸላይ ኮሚቴ ዴሞክራሲያዊ ምንቕስቓስ ኣምሓራ /ብኣዴን/ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣቦ ወንበር ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ድማ ምኽትል ኣቦ ወንበር ገይሩ ደጊሙ መሪፁዎም።ኣብ ቀረባ ኣብዝካየድ ኣኼባ ኢህወዴግ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብን ቀዳማይ ሚንስትርን ብኢህወዴግ ብሓባር ክውሰን እዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብኣዴን ኣቶ ኣለምነው መኮነን ገሊጾም ።

ካብ 12 ጥሪ ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ብሄር ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሎሚ ተዛዚሙ’ሎ።ለውጢ መሪሕነት ከይተርኣየ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣቦ መንበር ርእሰ ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ድማ ምኽትል ኣቦ ወንበር ገይሩ ደጊሙ መሪፁዎም ኣሎ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብኣዴን ኣቶ ኣለምነው መኮነን እቲ ኣኼባ ዕዉት ነይሩ ይብሉ።

“እቲ ኣኼባ ዕዉት ነይሩ ንብሎ ዘለና ኣብ ዘጋጠሙና ፀገማት፣ናይቶም ፀገማት መንቀሊታትን ናይ መፍትሒ ሓሳባትን ዝተማልአ ምርድዳእን ናይ ሓሳበ ሓድነትን ዝተረጋገፀሉ ስለዝነበረ ከም ዓብዪ ዓወት ኢና ንሪኦ።”

እቲ ኣኼባ ሰፊሕ ናይ ሓሳብ ክርክራት ዝተኻየደሉ ከምዝነበረን ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ምትእምማን ከምዝተበፅሐን ሓቢሮም።

ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትርን ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳልኝ ካብ ስልጣን ከምዝወርዱ ድሕሪ ምግላፆም ዝቕፅል ናይ ኢህወዴግን ኣኼባ ትፅቢት ዝገበረሉ ኮይኑ’ሎ።

ኣቦ ወንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ዝምረፅ ሰብ ብቐጥታ ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ከምዝኸውን ብተመኩሮ ኣብ ሕሉፍ ተራእዩ እዩ።ብኣዴን ሕፁይ ከቕርብ እንተኾይኑ ተሓቲቶም ኣቶ ኣለምነው ክምልሱ ከለው።

“ብኣዴን እዚ ናይ ኢህወዴግ ናይ ሓባር ኣጀንዳ እዩ ኢሉ ይኣምን።ናይ ብኣዴን ናይ ውልቂ ኣጀንዳ ኣይኮነን።ኢህኣዴግ ስልጣን ዝርኣየሉ ኣጠማምታ’ሎ።ስልጣን ናይ ሕብረተሰብ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን።ብሓፈሻ ኣብ ሃገራዊ ለውጢ መሪሕነት ክህቡ ዝኽእሉ ሰባት ብምምኽኻር ዝኽየድ እምበር ብኣዴን ብፍሉይ እዚ ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ጉዳይ ኣይኮነን።”

ካብ ኣርባዕቲኦም ኣቦ ወንበራት ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ቀፃሊ ኣቦ መንበር ክኸውን ትፅቢት ኣሎ።ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ሽግሽግ ናይቲ ክልል ምኽትል ፕሬዝዳንትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብን ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ትገይሩ ምምራፁ ዝቕፅል ቀዳማይ ሚንስትር ዘመላኽት ገይሩ ተወሲዱ’ሎ።ኣቶ ለማ መገርሳ ምኽትል ኣቦ ወንበር ገይሩ መሪፁዎም ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዖ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG