ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ አባላት ፓርላማ ሓዊሱ ሰባት ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊጹ


ከተማ ባህርዳር - ፋይል
ከተማ ባህርዳር - ፋይል

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ባህር ዳር ተኣሲሩ ዝነበረ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣባል ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኣቶ ዘመነ ሃይሉ፡ ሎሚ ሓሙስ ከም ዝተፈነወ ይግለጽ ኣሎ።

ኣቶ ዘመነ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብታ ብፖሊስ ተኣሲሩላ ዝነበረት መደበር፡ ምስኡ 40 ሰባት ተኣሲሮም ምንባሮምን ዛጊት ከም ዘይተፈትሑን ሓቢሩ`ሎ።

ንሱ ወሲኹ ምኽንያት መእሰሪኡ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ'ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣባል ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ዝኾነ ኣቶ መልካሙ ተሾመ፡ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሎሚ ምፍትሖም ኣቶ ዘመነ ወሲኹ ገሊጹ`ሎ።

ብኻልእ ተመሳሳሊ ዜና ፡ ጋዜጠኛ መሓውር ዜና መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ የሺሃሳብ ኣበራ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ ባህርዳር ከም ዝተኣሰረን፡ ምስ ካልኦት እሱራት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወስደን ኣባላት ቤተሰቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG