ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብተግባር ሽበራ ዝተኸሰሱ 47 ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ተግባር ሽበራ ክፍፅሙ ተረኺቦም ዝተባህሉ 47 ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ሓባራዊ ግብሪ ሓይሊ ፀጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣስማቶምን ምስሎምን ብዝርዝር ዝተገለጸ ተጠርጠርቲ መብዛሕቲኦም ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር ገበን ዝተኸሱ ዝተወሰኑ ድማ ብተግባር ሽበራ ተጠርጢሮም ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ኮይኖም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይከታተሉ ዝነበሩ እዮም።

ብተመሳሳሊ ገበን ካብ መንጎ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ብዋሕስ ክፍትሑ ተፈቐዲሎም ብሓዱሽ ክሲ ሽበራ ዝተኸሰሱ ከምዝርከቡዎም ዝገለፁ ሓደ ካብ ጠበቓታታት ተኸሰስቲ ኣማኻሪ ሕጊ ሰለሞን ገዛህኝ ናይቶም ተጠርጠርቲ ጉዳይ እውን ናብዚ ክሲ ክቕየር ከምዝኽእል ግምቶም ገሊፆም።

ንተልእኾ ሽብራ ኣብ ሕቡእ ኣወዳድባ ተረኺቦም ካብ መንጎ ዝተባህሉ ውልቀሰባት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ካልኦትን ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝርከቡ ኣብ መሓውራት ዜና ዝነጥፉ ሰባት ዝተጠቐሱ ክኾኑ ከለው ናብ ኢትዮጵያ ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ምስ ዓለምለኸ ሕጊ ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ ግብሪ ሓይሊ ኣፍሊጡ።

ብረት፡ነተጉቲ ናይ ሳተላይት መራኸቢታትን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ዝሓዙ ላፕቶፓት ምስ ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ’ሎ።

እዞም ጥሩፋት ሓይልታት ዝተባህሉ ኣካላት መራሒ ክንፊ ፖለቲካ፣ ወታሃደራዊ፣ ኢንተሊጀንት፣ ፋይናንስን ሚዲያን ዶክተር ወንወሰን ኣሰፋ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምዃኑ እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

መግለጺ’ቲ ግብሪ ሓይሊ ወሲኹ ኣብዚ ሰሙን ንዝተፈፀመ ቅትለት ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ብልፅግና ክልል ኣምሓራን ኣቶ ግርማ የሽጥላን ካልኦትን ብሕቡእ ዝንቀሳቐስ ክብል ንዝገለጾ ኣካል ተሓታቲ ጌሩ’ሎ፡ብተወሳኺ እቲ መግለጺ "ናይቶም ጥሩፋት ዕጡቓት መራሕቲ” ክብል ዝገለፆም በለጠ ሸጋውን ብምሬ ወዳጆ ዝፍለጥ ምህረት ወዳጆን ተሓባብርቶምን ኣብቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ተሓተቲ ጌይርዎም ኣሎ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ቐይዲ ዘእትዎም 47 ሰባት ምኳኖም እንተገለጸ’ውን ብምስሊን ስምን ዝተዘርዘሩ ግን 42 ሰባት ዮም።

እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ቐይዲ ካብ ዝኣተውን ዝድለዩን ዘለው ተጠርጠርቲ ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝርከቡ መሓውራት ዜና ካብ ኢትዮ-360ን መረጃ ሚዲያን፡ ሃብታሙ ኣያሌው ፣ ምንኣላቸው ስማቸው ፣ብሩክ ይባስን እየሩሳሌም ተክለፃዲቅን ዘመድኩን በቀለን ካብ ኣንከር ሚዲያ ድማ መሳይ መኮነንን ምዃኖም ብምርመራ ተረጋጊፁ ኣሎ ክብል ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG