ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሓደ ህጻን ብምጭዋይ ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ቐይዲ ኣትዮም


ከተማ ደሴ - ፋይል
ከተማ ደሴ - ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ጢጣ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ንሓደ ወዲ 7-ዓመት ህጻን ኣብ 11 መስከረም 2017 ብለይቲ ካብ መንበሪኡ ገዝኡ ብምጭዋይ ገንዘብ ንምክፋል ጠለብ ዘቕርቡ ዝነበሩ’ዮም ዝተባህሉ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው ኣዛዚ ፖሊስ ታ ከተማ ምክትል ኮማንደር መንግስቱ አሊ ገሊጾም።

ንሶም ኣብቲ ብምጭዋይ’ቲ ቆልዓ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቐይዲ ንምእታው ዝተካየደ ስርሒት ነበርቲ ቲ ከባቢ ዓብይ ግደ ከምዝነበሮም ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣደ’ቲ ህጻን ራቢ ኣ በላይካብ ዝነበርሉ ከባቢ ውርጌሳ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ ናብ ከተማ ደሴ ኣብ ቀረባ መዓልታት ምምጽ ኦም ብምሕባር ኣብ ወደን ዝኾነ ዓይነት ጉድ ኣት ብዘይምብጽሑ ዝተሰምዓን ሓጎስ ገሊጾም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ህጻናት ብምጭዋይ ገንዘብ ንምርካብ ዝካየድ ገበን ይውስኽ ምህላው ከምዘተሓሳሰቦም ዝገልጹ ነበሪ ከተማ ደሴ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ዘየዳግም ፍርዲ ክወሃብ ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG