ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ መንእሰያት ከምዝተጨወዩ ስደራቤቶም ይገልጹ


ካብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ናብ ከባቢ ግድብ ህዳሴ ንመዓልታዊ ስራሕ ዝጉዓዙ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ምብራቅ ጎጃም ምጭዋዮምን ድሕነቶም ከምዘስገኦምን ቤተሰቦም ገሊጾም።

እቶም መንእሰያት ናብቲ ቦታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተንቀሳቀሱ ክኾኑ ከለው ምጭዋዮም ዝፈለጥና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዝተዘግሐ ቪድዮ'ዩ ክብሉ ስድራቤቶም ይገልጹ።

ኣማሓዳሪ እቶም መንእሰያት ዝተበገስሉ ዞባ ጋርዱላ ኣቶ ብርሃኑ ኩናኖ 275 መንእሰያት፣ ንስራሕ ካብ ክልተ ወረዳታት ዝተላኣዅ ተጨውዮም ኣለው ኢሎም።

እቶም መንእሰያት ዝተወስዱ ብኒኮቲካ ኮንስትራክሽንን ትሬዲንግ ሃይል ዝተባህለ ናይ ውልቂ ማሕበርን ምስ ሃይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምዃኑ ኣቶ ብርሃኑ ሓቢሮም ኣለው።

ሃይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ እቲ ትካል ምስቲ ጉዳይ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉን ስሙ ምልዓሉ ግቡእ ከምዘይኮነ ምክትል ኮሚኒኬሽን ዳይሬክተር'ቲ ትካል ኣቶ መሞገስ መኮነን ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው ካብቲ ማሕበር ምላሽ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ግን ኣይሰለጠን።

ሰበ ስልጣን እቶም መናእሰያት ተጨውዮምሉ ዝተባሃለ ዞባ ምብራቅ ጎጃም፣ ግብረ መልሲ ንክህቡሉ ዝተገብረ ጻዕሪ'ውን ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG