ደሴ —
ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜን ወሎ ከባቢ ቆቦ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን 18 ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ከም ዝነበረ ነበርቲ`ቲ ከባቢ ሓቢሮም። ዝወረደ ጉድኣት ብትኽክል ምፍላጥ ኣይተኻእለን፣ እንተኾነ ኣብ ሰብን እንስሳን ጉድኣት ከም ዝነበረ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።
እቲ ከባቢ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ተዛማዲ ሰላም ሰፊንዎ`ኳ እንተነበረ ካብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ጀሚሩ ግን ድምጺ ተዅሲ በርቲዑ፡ ብከቢድ ብረት ከይተረፈ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከምዝነበረ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ እቲ ግጭት ከም ዝቐጸለን ንግዚኡ ቍጽሮም ብዕሊ ዘይተፈልጠ ሰባት ሞት፡ መቑሰልቲ፡ ማእሰርትን ምክልባትን ይወርድ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።
ቅጥዒ