ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ደርቂ ምፍንቓሎም ሕ/ሃ ሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ልዕሊ 4,000 ሰባት ብሰንኪ ደርቂ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ(ኦቻ) ኣፍሊጡ።

ኦቻ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ኣብ ወረዳታት ጃንኣሞራን ጠለምትን ብዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 4,000 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉን ልዕሊ 173-ሺሕ እንሰሳታት`ውን ከምኡ ካልኦት ልዕሊ 86-ሺሕ እንስሳት ድማ ኣብ ጉዕዞ ከም ዝሃለቓን ሓቢሩ`ሎ።

ካብ ከተማ ጃንኣሞሮ ናብ ዓደርቃይ ዝተፈናቐሉ ሰባት፡ ብሰንኪ ጥምየት ካብ ዓዶም ከም ዝወጹ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ሕጂ ኣብ ዓደርቃይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብ መርዓታትን ካልእ ውራያትን እናለመኑ ዕለታዊ መግቦም ከም ዝምእርሩ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG