ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰላማዊ መንገዲ ቃልሶም ክቕጽሉ ካብ ዝተሰማምዑ ዕጡቓት ቅማንት 100 ምእሳሮም ተገሊጹ


መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንዘቅረቦ መጸዋዕታ ተቐቢሎም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ሰላማዊ መንገዲ ካብ መንጎ ዝመረጹ ዕጡቓት ቅማንት ልዕሊ 100 ዝኾኑ
ተኣሲሮም ክብል ሓደ ኣባል እቲ ኮሚተ ምምላስ መንነትን ምሕደራን ቅማንት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣባል'ቲ ማሕበር ምዃኑ ብስልኪ ድምጺ ኣመሪካ ዝገለጸ ኣንዳርጌ ሞላ ብገበን ሽበራ ተጠርጢሮም ብዝብል ዝተኣስሩ 127 ውልቀ ሰባት ዝተጠርጥርሉ ኾነ ዝተኸሰስሉ ገበን ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ'ሎ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ደሳለኝ ጣሰዉ ብወገኖም 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር'ለዉ፤ ንሳቶም'ዉን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ከቢድ ገበን ብምፍጻም ዝተጠርጠሩ እዮም ተኣሲሮም ዘለዉ ኢሎም።

ሓደ ሽማግለ ዓዲ እቲ ከባቢ ብወገኖም ዕርቀ ሰላም ድሕሪ ምውራዱ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ምስፋኑ ገሊጾም ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ዕዳጋ ኾነ ኣብ ሓዘን ሓቢሮም ከም ዝወዓሉ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG