ንምክልኻል ኣከባቢን ድሕነት ኣብ እትነጥፍ ብኣሕጽሮ ቃላት (ASDEPO) ተባሂላ እትጽዋዕ ኣህጉራዊ ትካል ረዲኤት ዝሰርሕ ዝነበረ ያሬድ መለስ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕጡቓት ተጨውዩ ድሒሩ ከም ዝተቐትለ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ገሊጹ። ከም መግለጺ እቲ ዓለምለኸ ትካል፡ እቲ ንገንዘብ ተባሂሉ ዝተገብረ መጭወይቲን ቅትለትን ኣብ ሰሜን ጎንደር’ዩ ተፈጺሙ።
ትካል ኦቻ ካብ ሰራሕተኛታቱ ብምቕታሉ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ብምዅናን፡ ውሕስነት ኣብ ስራሕ ዝነጥፉ ኣባላት ክረጋገጽ ጸዊዑ።
እቲ ትካል ኣስዒቡ፡ “ኣብ እዋን ከቢድ ጸበባ ነቲ ኵሉ መሰናኽላት ሰጊሮም ህዝቢ ክሕግዙ ንዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዕላማ ምግባር ንዓለምለኸ ስምምዓት ዝጥሕስ’ዩ፡” ብምባል ነቲ ፍጻመ ኰኒኑ።
ብ22 ሓምለ ዝተጨውየ ያሬድ ብ9 ነሓሰ ከም ዝተቐትለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ። እዚ ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጥም ዘሎ ሻዱሻይ ፍጻመ’ዩ። ክሳብ ሎሚ 14 መጨወይቲ ከም ዘጋጠሙ’ውን መግለጺ ኦቻ ይሕብር።
ብዛዕባ’ዚ ዝደሓረ ሞተ ያሬድ መለስ ብወገን ክልል ኣምሓራ ኰነ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝዳሎ ዝወጽአ መግለጺ፡ የሎን። ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ኣይቀንዖን። ድምጺ ኣመሪካ’ውን ነቲ ፍጻመ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ቅጥዒ