ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖን ምስኦም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ኣካላትን ሓያል ስጉምቲ ምውሳዱ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ መንገሻ ፋንታውን ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኮነሬል ጌትነት ኣዳነን ትማሊ ሰሉስ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እቲ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ዝተገብረ ፃዕሪ ውፅኢት ብዘይምምፅኡ እዚ ወፍሪ ከም ዝተጀመረ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ኣቶ መንገሻ እቲ ስጉምቲ ቀጻሊ ምኳኑን ነቶም ዕጡቓት ብዝተፈላለየ መዳይ ደገፍ ዝህቡ ወገናት’ውን ተሓታቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም ኣለው። እዚ ስጉምቲ ምስ ዕጡቓት ርኽብ ኣለዎም ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ አካላት’ውን ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ዝገለጸ መግለጺ ቁጽሪን መንነትን ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ሰባት ግን ኣይገለጸን።
ንደሕንነቶም ብምስጋእ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣብ ዩኒቨርስታትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ዝሰርሑ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩ ኣለው ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ንኣባላት ኣካዳሚክ ማሕበረሰባት ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጅምላ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲን ይእሰሩ ከም ዘለው ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ’ሎ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ነቲ ስጉምቲ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብልዎ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ትጌሬ ቻጉታህ ፀዊዖም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ዕጡቓት ፋኖ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።
ካብ ሰበስልጣን ፌደራልን ክልል መብርሂ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ እውን ኣይሰለጠን።
ቅጥዒ