ባህርዳር —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ይቅጽል ብዘሎ ጎንጺ ቁጽሪ ናይዚ ዓመት ናይ 12 ክፍሊ መልቀቂ ፈተና ዝወሰዱ ተማሃሮ ምስ’ቲ ናይ ሕሉፍ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝዋሓደ ምኳኑ ተገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ’ቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ቢያዝን "ተማሃሮ ምብራቅ፣ ምዕራብን ሰሜንን ጎጃም፣ ክፍተኑ ኣይካኣሉን" ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ብመሰረት’ቲ መግለጺ ኣብ ምብራቅ ጎጃም ካብ ዝርከቡ 19-ሽሕ ተማሃሮ ናይ ምፍታን ዕድል ዝረኸቡ 577 ተማሃሮ ጥራሕ'ዮም።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ትካል ህጻናት ሕ/ሃ (ዩኒሴፍ) ትማሊ ሰሉስ አብ ዝዘርገሖ መግለጺ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይካየድ ዘሎ ውግእ፣ 4,178 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ምህላወን ኣብ ምብራቅን ምዕራብን ጎጃም፣ ዞባታት ደቡብ ጎንደር ካብ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲታት እተን 89 ሚእታዊት ተዓጽየን ከምዝርከባ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ