ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልል ኣምሓራ እንተብቕዐ 'ውን ትግባረኡ ግን ቀጺሉ ከምዘሎ ነበርቲ ይሕብሩ


ከተማ ባህርዳር - ፋይል
ከተማ ባህርዳር - ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝሓለፈ ወርሒ እንተብቅዐ`ኳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት`ቲ ዕጥቃዊ ግጭታት ሎሚ `ውን ቀጺሉ ከም ዘሎ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጹ`ለዉ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ደቡብ ጎንደር ከምኡ `ውን ኣብ ሰሜን ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ጎጃም ዝርከባ ወረዳታት ዝነብሩ ሰባት፡ ብመሰረት`ቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝፍጸም ዝነበረ ምኽልካላት ሕጂ `ውን ከም ዘይተላዕለን ማሕበራውን ቁጠባዊን ጸገማት ከም ዝበኣሰን ገሊጾም ኣለዉ።

ካብ ክልል ኣምሓራ ተመሪጹ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቶ ኣበባው ደሳሌኝ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብምብቅዑ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክጎድል ትጽቢት እኳ እንተነበረ በንጻሩ እናኸፍአ ከይዱ`ሎ ኢሉ። ብዛዕባ`ዚ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ኮነ ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝተረኽበ ርእይቶ የለን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ዝተኣስሩ ሰባት ክፍትሑን እቲ ስሩዕ ኣካይዳ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውንን ጸዊዑ`ሎ።

ላዕላዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ደረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘይምንውሖም ጽቡቕ ስጉምቲ ኮይኑ ብስም`ቲ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ብምልኦም ክፍትሑ ይግባእ ኢሉ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG