ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ም/ጎጃም ወታሃደራት መንግስቲ 7 ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ይገልጹ


ከተማ ባህርዳር - ፋይል
ከተማ ባህርዳር - ፋይል

ኣብ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ሞጣ ቀራንዮ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መንግስቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን`ታ ከተማ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣገልጋሊ`ታ ቤተክርስትያንን ኣብኡ ኔርና ዝበሉ ሰባትን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን`ቲ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ወተሃደራት መንግስቲ ናብቲ ቤተ ክርስትያን ገጾም ክኣትዉ ከምዝረኣዩ`ውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ`ለዉ። ብዛዕባ`ዚ መብርሂ ክህቡ ዝተሓተቱ ኣካላት ምምሕዳር`ቲ ከባቢ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓላፊ ጨንፈር ባህርዳር ኣቶ ኣለባቸው ብርሃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖን ነቲ ጉዳይ የጻርይዎ ከም ዘለዉን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 1,351 ሲቪላት ከም ዝተቐትሉን ካብ መንጎኦም 740 ዝኾኑ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ጠቒሱ ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG