ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ፀገም ፀጥታን ሞት ንፁሃንን ይቕጽል ምህላው ገለ ነበርቲ ይገልጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኤፍራታ ግድምን ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከባቢ ከተማ መራዊን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ውግእ ህይወት ንፁሃን ምሕላፉ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ክልቲኦም ከባቢታት ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ዝቐፀለ ቶኽሲ ምህላው እቶም ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ነበርቲ ገሊጾም።

ሓደ ኣብ ስራሕ ንግዲ ዝተዋፈረ ነባሪ ከተማ ኣጣየ ምልውዋጥ ቶኽሲ ጠጠው ምስ በለ ንፁሃን ይቕተሉ ኣለው ክብል ንሰራዊት ምክልኻል ይወቅስ።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ሕጂ ዝተወሃበ ቀጥታዊ ምላሽ የለን ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዋና ኣዛዚ ምብራቓዊ እዚ ሌቴናል ጀነራል መሓመድ ተሰማ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ደብረ ማርቆስ ምስ ነበርቲ ኣብ ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ዝሰርሑ ኣባላት ምክልኻል እንተድኣ ሃልዮም ስጉምቲ ከምዝወስድ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ወገን ካብ ከተማ መራዊ ርእይቶም ዝሃቡ ነበርቲ ካብ ቀረባ ርሕቐት ዝተተኮሱ ከበድቲ ኣፅዋር ጉድኣት የውርዱ ከምዘለው ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 19 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ክልል ንኣዋርሕ ብሰንኪ ዝጸንሓ ግጭት ሰባት ከምዝተቐተሉን ንዕጡቓት ፋኖ ትድግፉ ኢኹም ብዝብል ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብዘይ ፍርዲ ከምዝቐትሉ፤ በብደረጅኡ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሓለፍቲ መንግስቲ መጥቓዕታትን መጭወይትን ይፍፀምም ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG