ባህርዳር —
ብክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ዝተጸውዐ ጉባኤ ብዝተሳተፉ ሰባት ዝቖመ ሓደ ቤት ምኽሪ ሰላም፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ሰላም ንምምጻእ ዘካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ስርሑ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ኣብ ከተማ ባህርዳር ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ኣባላት `ቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ንምስላጥ ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦም ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ቤት ምኽሪ ንክልቲኦም ወገናት ኣዘራሪቡ፡ ብዛዕባ ሸምገልትን ቦታ ዘተን ክሰማምዑ ክሕግዞም ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።
ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ`ቲ ናይ ሰላም ተበግሶ ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ሂቦም ኣለዉ።
እንተኾነ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኮነ ካብ ዕጡቓት ፋኖ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ቅጥዒ