ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ደርቂ 12-ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ምቁራጾም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጃን ኣሞራ ብዘጋጠመ ደርቂ ምኽንያት ልዕሊ 12- ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ምቁራጾም ተገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት`ታ ወረዳ ኣቶ ሃብታሙ ሃይሉ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ38 ቀበሌታት`ታ ወረዳ ይምሃሩ ካብ መንጎ ዝነበሩ 17- ሺሕ ተመሃሮ፡ ሎሚዘበን ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ዝተረኽቡ 5-ሺሕ ጥራሕ`ዮም ኢሉ።

እቶም ብሰንኪ ደርቂ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዘለዉ ተመሃሮ ንስደት ይዳለዉ ከምዘለዉ`ውን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተመሃሮ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን`ቲ ክልል ብወገኑ፡ ሓገዝ እኽሊ ናብቲ ወረዳ ከም ዝለኣኸን እንተኾነ በቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ክበጽሕ ዘይምኽኣሉን ሓቢሩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG