ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኤርትራ፡ ብዋሕዚ ስደት ዜጋታታ ትደምይ ዘላ ሃገር’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል


ኤርትራ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ አገልግሎት ደው ከምዘበለት ትገልጽ። አብዚ ቀረባ ጊዜ አውሮጳ ዝበጽሑ ዜጋታት እታ ሃገር ግን እዚ ሓቂ ዘይምኳኑን የረድኡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ ረቡዕ አብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝፈልሱ ዘለው ብጉዳይ ቁጠባ ከምዝይኾኑ ይገልጽ።

አብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳይ ኤርትራ ተጽንዕ ክለር ቤስቶን ነቲ ሪፖርት እቲ ትካል፡ ብዛዕባ ኩነታት እታ ሃገርን ስደተኛታታን ብዝምልከት ከምዚ ትብል።

‘ አብ ዝሓለፈ ዓመታት አብ ኤርትራ ዝተቀየረ ነገር የለን። ገና ሕጂ’ውን ልዑል ጸቕጢ ፖለቲካ አሎ። ተቃወምቲ ፓርቲታት፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን፡ ሲቪካዊ ማህበረሰብ የለን። ብአሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ተአሲሮም አለዉ።

ብኻልእ ዜና፡ ቤት ምኽሪ ኣህጉራዊ ውድብ ኢምግረሽን (IOM): ኤርትራ ኣባል`ቲ ውድብ ክትከውን ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ። ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መበል 106 ዋዕላ'ቲ ውድብ ተረኺቡ መደረ ዘስምዐ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፡ እቲ ቤት-ምኽሪ ነቲ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሕቶ-ኣባልነት ብምቕባሉ ኣመስጊኑ፡ ሃገሩ ብዕቱብ ከምትዋሳእ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

‘ኤርትራ፡ ብዋሕዚ ስደት ዜጋታታ ትደምይ ዘላ ሃገር’ አምስት ኢንተርናሽናል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

XS
SM
MD
LG