‘ኣብ ቅነ በዓላት ናብ ኣውሮጳ ዝገይሹ ኣሜሪካዊያን ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ልዑል ጥንቃቀ ንክገብሩ’ ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣጠንቂቁ።
እቲ ዝወጸ መጠንቀቂ መገሻ ‘ኣሜሪካዊያን ኣብ ፌስቲጻቫላት በዓልን ስፍራ ዕዳጋታትን’ ትኩራት ኩኑ’ ይብሎም።
‘ምስ ጽንፈኛታት ዝወገኑን በይኖም ዝወሰኑን፣ ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ’ዮም’ እውን ይብል እቲ ቤት ዕዮ።
ብዘይካ’ዚ ፈጠርቲ ራዕዲ ልሙድን ዘይልሙድን ኣገባብ ተጠቂሞም ኣብ ልዕሊ መንግስታዊን ውልቀን ንብረታት ዕንወት ከውርዱ ከምዝኽእሉ’ውን ገሊጹ’ሎ።
ፈጠርቲ ራዕዲ ዛጊድ ኣብ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ቤልጅየምን ቱርክን መጥቃዕቲ ፈጺሞም’ዮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ግና ‘ሙሉእ ኣውሮጳ ስግኣት መጥቃዕቲ ሸበራዊያን ኣንጸላልይዎ’ሎ’ ይብል።
ኣብ ፈረንሳ ንግጥማት ኣውሮጳን ንምህዋኽ ኣብ ስትራስበርግን ማርሰይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይቀራረቡ ነይሮም ዝተባሃሉ 7 ጥርጡራት ተኣሲሮም ኣለው። ደቂ ፈረንሳ፣ ሞሮኮን ኣፍጋኒስታን። ኩሎም ኣብ ሶርያ ምስ ዝርከብ ኣዛዚ ይራኸቡ ነይሮም፣ ኣብ መንበሪኦም ኣጽዋር ተረኺብዎም’ዩ።