ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ንመበል 19 ዓመት መጥቓዕቲ 11 መስከረም ዘኪሮም ውዒሎም


Sept 11 Anniversary
Sept 11 Anniversary

ኣል ቃይዳ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝፈፀመሉ ከምዛ ሎማዕንቲ 11 መስከረም ነይሩ።19 ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ።መጥቓዕቲ ካብ ዝተፈፀሞም ሓደ ኣብ ዝኾነ ፔንታጎን ናይ ኣርሊንግተን ካውንቲ ወይም ምሕዳር ስነስርዓት ዝኽሪ 11 መስክረም ብማዕዶ \ብቨርችዋል\ የካየድ ኣሎ።

11 መስከረም 2001 ኣ\ፈ ንጉሆ ነይሩ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ቃይዳ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ኣርባዕተነፈርቲ መጎዓዚያ ህዝቢ ብምጭዋይ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ።ክልተ ነፈርቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ምስ ዝነበሩ ክልተ ሰማይ ጠቀስ ህንፃታት ትዊን ታወርስ ዎርልድ ትሬድ ሴንተር ኣላቲሞምወን።ሳልሰይቲ ነፋሪት ኣብ ህንፃ ዋና ቤት ፅሕፈት ምንስቴር ምክልኻል ዩናይትድ ስቴትስ ፔንታጎን ተሓምሺሻ።ናብ ዋይት ሃውስ ተምርሕ ነይራ ተባሂላ ኣብ እትእመን ራብዐይቲ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ነታ ነፋሪ ካብቶም ጨወይቲ መንጢሎም ንምቁፅፃር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ኣብ ሓደ ናይ ፔንሲልቨኒያ ማይዳ ተሓሚሺሻ ።

ኣብ ሓደ ማዕልቲ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 2,977 ሰባትሃሊቅቶም።ኩሎም 19 ጭወይቲ ኣሸበርቲ ኣል ቃይዳ እውን ሞይቶም።

ድሕሪ መጥቓዕቲ 11 መስከረም ዩናይትድ ስቴትስ ‘’ዅናት ፀረ ሽብር’’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓለምለኸወታደራዊ ወፍሪ ኣብ መላእ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣፍሪካን ኢስያን ኣብ ልዕሊ ዝነቆጡ እስላማዊያን ፅንፋዊያን ጉጅለታት ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ጀሚራ።

በመሰረት ዩኒቨርስቲ ብራውንን ዩኒቨርስቲ ቦስተንን ኣብ 2019 ኣ\ፈ ኣብዘካየድዎ ሓባራዊ መፅናዕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ድሕሪ መጥቓዕቲ 11 መስከረም ክሳብ መወዳእታ በጀት ናይዚ ዓመት 30 መስከረም ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዘካየደቶ ወታደራዊ ተሳትፎ ልዕሊ 6.4 ትሪሊዮን ዶላር ክተውፅእ እያ።

በረራ ቁፅሪ 77 ነፋሪት ኣሜሪካን ኣየርላይንስ ምስ ህንፃ ፔንታንጎን ብምልታም 184 ግዳያት ተቐቲሎም።ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናይ ሎሚ ዓመታዊ ዝኽሪ 11 መስከረም ከባቢያዊ ምምሕዳር ኣርሊንግተን ብቀጥታ ናይ ኦንላይን ስነስርዓት እዩ ዝካየድ ዘሎ።ንጉሆ ስዓት 9:30 ዕምበባ ናይ ምንባርስነስርዓት ተኻይዱ።እታ ነፋሪ ኣብ ህንፃ ፔንታጎን ዝተሓምሸሸትሉ ንጉሆ ስዓት 9:37 ናይ ሕልና ፀሎት ተኻይዱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG