ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ኣባል ፍሉያት ሓይልታት ኣሜሪካ ዝኾነ ኣሜሪካዊ ወታሃደር ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ተቐቲሉ።

መቕተልቲ ናይዚ ኣባል ፍሉይ ሓይልታት ኣሜሪካ ማለት "ነቪ ሲል" ተባሂሎም ዝጽውዑ ምዃኑ’ዩ ብሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተረጋገጸ ክኸውን ከሎ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ብ1993 ዓ.ም “ብላክ ሃውክ ዳውን” ዝፍለጥ ምስ ምሕምሻሽ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ሞት ወተሃደር ኣሜሪካ ናይ ፈለማ ምኳኑ'ዩ ተገሊጹ።

እዚ መቕተልቲ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ: ኣብ ከባቢ ባሪረ ዝተባህለት 65 ኪሎሜተር ካብ ምዕራባዊ ሞቓሲሾ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቁሸት: ካብ ፈኲስ ብረት ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝሞተ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ክልተ ኣባላት "ነቪ ሲል" ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣባላት ፍሉያት ሓይልታት ኣሜሪካን ሓደ ተርጓማይን ከምዝቖሰሉ ብተወሳኺ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝመርሕ ኣፍሪኮም ዝተባህለ ወተሃደራዊ እዚ ኣካል ዝኾነ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን እቲ ወተሃደር ዝተቐትለ ኣብ ስርሒት ምምኻርን ሓገዝን ምስ ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ተዋፊሩ ኣብ ዝነበሩ ኣጋጣሚ ምንባሩ ድማ ገሊጹ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ዞባ ታሕተዋይ ሸበሌ ብወገኑ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: እቶም ሰራዊት ኣልሸባብ ፈነወ የካይደላ ንዝነበረ ህንጻ መደበር ሬድዮ ኣብ ዝሃጀሙሉ ከምዘጋጠመ ጠቒሱ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሾሞንተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉውን እቲ በዓልስልጣን ኣፍሊጡ። ንብረት ናይታ መደበር ሬድዮ ተታሒዙ ክኸውን ከምዝኽእልውን እቲ በዓል ስልጣን ብተወሳኺ ገሊጹ ኣሎ።

ኣልሸባብ ብወገኑ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸላኢ ዝበሎም ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ’ሎ። ብመሰረት ካብ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ዓብደልዓዚዝ ኣቡ ሙስዓብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ኣፍሺለዮየ ኢሉ’ሎ። ተዳሊናን ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ብምንባርናን እቲ ስርሒት ከምዝተወጠኖ ዕላምኡ ኣይወቕዐን ድማ ኢሉ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽልዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG