ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ኣብ ምፍራይ ደራሁ ዝወፈሩ ኣሜሪካውያን ሰብ ሃፍቲ


ሎሚዘበን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ጨቓውቲ ንሓረስቶት ክከፋፈላ እየን

ዴቭድ ኤልስን ትረንት ኮስቶቮስን ዝተባሃሉ ኣሜሪካውያን ሰብሃፍቲ ኣብ ማእኸል ሕርሻ መቐለ ምሩፃት ዓሌት ደራሁ ካብ ህንዲ ኣምጺኦም ብዘመናዊ መንገዲ የፋርዩ ኣለዉ::

ሎምዘበን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጨቓውቲ ናብ ኣብነታውያን ሓረስቶት ትግራይ ከባጽሑ እዮም:: ነተን ጨቓውቲ ዘድሊ ሕክምናውን ናውቲ ቀለብን ከምኡ እውን ኣተሓሕዛ ዝምልከት ዝዋሃብ ትምህርቲ ሓዊሱ ዋጋ ሓንቲ ደርሆ 17 ቅርሺ እዩ ይብሉ::

“ንዓመታ ሓደ ሚልዮን ጨቓውቲ ንኣብነታውያን ሓረስቶት ክንሸይጥ ኢና:: ኣብቶም ቀፀልቲ 5 ዓማውቲ ሕድ ሕድ ኣደ ትግራይ 30 ደራሁ ክትውንን ክንገብር ኢና” ኢሎም ዴቭድ ኤልስ::

ትረንት ኮስቶቮስ “ንሕና ብኣብነት ዝጽራሕ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ብተግባር ንምርግጋፅ ኢና ንሰርሕ ዘለና” ይብል::

XS
SM
MD
LG