ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣምቦ ናብ ዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተኮሶ ጥይት 10 ሰባት ሞይቶም፡ልዕሊ15 ቆሲሎም


ከተማ አማቦ
ከተማ አማቦ

ኣብ ምዕራባዊ ኦሮሚያ፡ ከተማ ኣምቦ፡ ተቓውሞ ናብ ዝወጹ ሰባት፡ ሰራዊት ምክልኻል ብዝኸፈቶ ተኹሲ 10 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 15 ከምዝቖሰሉን ሓላፊ ኮሚኒኬሽን`ታ ከተማ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

እቶም ሰልፈኛታት ሽኮር ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ይሽየጥ ኣሎ ብዝብል ከምዝተበገሱ ዝገለጸ ወሃቢ-ቃል፡ እቶም ወታሃደራት ነቲ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዶም፡ እቶም ሰልፈኛታት ንናይ ጽዕነት መካይን ከምዘቃጸሉ ጠቒሱ።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣምቦ፡ ሕጂ እታ ከተማ ብረት ዝዓጠቓ መካይን ብዝሓዙ ወታሃደራት ተመሊኣ ከምዘላ ነጊሮም።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ከተማ ኣምቦ ኣቶ ጋዲሳ ደሳለኝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰራዊት መከላኸሊ ብዘይ ሕጋዊ መሸጣ ሽኮር ንምቅዋም ናብ ዝወጹ ሰልፈኛታት ተኹሲ ከፊቱ ሰባት ከምዝቐተለ ገሊጹ።

“ ሰራዊት ምክልኻል`ዩ ቀቲልዎም። እዚኣቶም ኣግኣዚ ጥራይ ኣይኮኑን ኻልኦት`ውን ኣለውዎም። ንሕና ክንቀርቦም`ውን ኣይንኽእል ኢና። ንፈርሖም ኢና”

ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ ተቖጢዑ መኻይን ምንዳድ ከምዝጀመረ ዝገለጸ ሓላፊ ኮምኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣምቦ፡ ካብ ሎሚ ንድሓር ንሓብኦ ነገር የብልናን፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ነገር ንዝኾነ ይኹን ንምሕባር ድልዋት ኢና ኢሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ኣብ ከባቢ ከተማታት ኣምቦ፡ ባኮ፡ ሆለታ፡ ጎንጻዊ ተቓውሞ ከምዘሎን መንገዲ ተዓጺዩ ከምዘሎን ሞት`ውን ከምዝሰዓበን ብምግላጽ፡ ሰራሕተኛታቱ ልዑል ጥንቃቐ ክወስዱ ጸዊዑ`ሎ።

ኢትዮጵያውያን ብሰላምን ብምሉእ ነጻነትን ሓሳቦም ክገልጹን፡ ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ዕድል ክፍጠርን`ውን ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG