ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓመተ 2016/17: ኣመሪካ እትቕበሎም ስደተኛታት ብ30 ሚእታዊት ክዓቢዩ


ፋይል: ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር
ፋይል: ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሳማንታ ፓወር ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሰላም ኢንስቲቲዩት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘስምዕዖ መደረ ሃገረን ኣብ 2016ን 2017 ካብ 100 ሽሕ ስደተኛታት ተወሳኺ 30 ሽሕ ስደተኛታት ንምቕባል መደብ ከምዝሓዘት ሓቢረን።

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ኣብ ቅድሚት ከም እትስራዓ ሃገር ኢለን ሳማንታ ፓወር ዩናይትድ ስቴትስ ንግጭት ሶሪያ ጥራሕ ልዕሊ 5.1 ቢሊዮን ዶላር ትልግስ ከምዘላን ደገፋ ከምዝቕፅልን ገሊፀን።

መንግስታት ንስደተኛታት ኢዶም ዘርጊሖም ክቕበሉን ዛጊድ ንስደተኛታት ተቐቢለን ዘተናግዳ ሃገራት እውን ስደተኛታት ዓርሶም ንክኽእሉ ዝበለፀ ስራሕ ክሰርሓን ፀዊዐን ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር።ዕላማና እንተወሓደ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣተው ካልኦት ሓደ ሚሊዮን ህፃናት ድማ ናይ ሕጊ ደገፍ ክረኽቡን ምግባር እዩ ኢለን።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዝቕፅል መስከረም ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዋዕላ ስደተኛታት ከተናግዱ ከለው ወግዓዊ ረቂቕ ንድፊ ከቕርቡ እዮም ኢለን።

"ዕላማ እቲ ኣኼባ ሃገራት ዝዓበየ ፃዕርታት ክገብራ ንምትሕብባር እዩ።መንግስታት ንሕቡራት መንግስታትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝውዕል ገንዘብ ከወፊዩን ወፈይኦም ብ30 ሚእታዊ ክውስኹን ምግባር እዩ" ኢለን ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ 2015 ኣብ ዙሪያ ዓለም ልዕሊ 65 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ልዕሊ ፍርቂ ህፃናት እዮም።

XS
SM
MD
LG