ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ሪቻልድ ሆልብሩክን ፃዕርታት ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን


ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝዓረፉ ኣምባሳደር ሪቻልድ ሆልብሩክ ከም ኣ.ኤ ግንቦት 2000 ዓ.ም ንልኡኻት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት መሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ከምዝነበሩ ይዝከር። ኣምባሳደር ሪቻልድ ሆልብሩክ ነቶም ልኡኻት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት መሪሖም ናብ ኣፍሪቃ ዝበፅሑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝነበረ ኹናት ንምህዳእ ዝከአል እንተኾይኑ ክፍትኑ ብምድላይ ምኻኑ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቴክሳስ Teck ዩኒቨርስቲ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ዓለም-ለኸ ጉዳያት ዝሰርሑ ዘለውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበሩን ቲቦር ናዥ ኣብቲ እዋን ናይ ኣልጀርያ ፕረዚደንት ዝነበሩን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኣሜሪካ ዝነበሩ አንተኒ ሌክን ናብ ስምምዕ መሰረተ-ሓሳብ ንምብፃሕ ናብ አዲስ-አበባን አስመራን ይመላለሱ ኔሮም ኢሎም።

ኣብቲ እዋን እቲ ልኡኻት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሓደ ውሳነ ከምዘርቀቀን እቲ ውሳነ ንኢትዮጵያ ኣቆጢዑ ከምዝነበረን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG