ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፡ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ ኣብ መዕቆቢ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ዘካይድኦ ምብጻሕ ኣቋሪጸን ክወጻ ምግዳደን ተሓቢሩ


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሄሊ ነቲ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ዝጸንሐ ኩናት ሓድሕድን ሰብኣዊ ቅልውላውን ደቡብ ሱዳን መዓልቦ ንምርካብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ጁባ ኣትየን።

ኣምባሳደር ኒኪ ሃገረን ኣብ ነጻን ፍትሓውን ማሕበረሰብ፡ ሰባት ውሕስነት ኣብ ዘለዎ ሃገር ወፍሪ ዘካይዱ ይመስለን ከምዝነበረ: ይኹንምበር ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ክውንነት በንጻሩ ምዃኑ ገሊጸን።

ንሰን ብተወሳኺ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ኣብ ዘካየድኦ ርክብ “ተሪር መልእኽቲ” ከምዘመሓላለፋን: ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብወገኖም ለውጢ ከምዝተአታተው ቃል ምእታዎምን ሓቢረን።

ኣምባሳደር ሄሊ: ኣብቲ ንኣስታት 33,000 ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰላማዊያን ሰባት ዘዕቆበ ማእከል ኣብ ዝበጽሓሉ: በቲ ዝረአይኦ ኩነታት ምሕዛነን ብምግላጽ: “ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክሰፍን” ዝከአለን ኩሉ ከምዝገብራ ገሊጸን።

ንሰን: ኣብቲ ማእከል ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን: ብዝተላዕለ ዕግርግር ነቲ ማእከል ለቒቀን ክወጻ ምግዳደን'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣሜሪካ ንደቡብ ሱዳን: እታ ዝዓበየት ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢት ሃገር ክትኸውን እንከላ: ተወሳኺ ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምተካይድ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG