ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ


Ethiopia
Ethiopia
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:47 0:00

ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ኣዳላዊት መደብኢንካውንተርካሮል ካስቴል፡ ንጉዳይ ዓመት መሊኡ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ዘተ ኣካዪዳ ነይራ። ዕዱማት ናይ ቅድም ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃን ዝነበረ ቲቦር ናጅ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ዳሕራይ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ዶናልድ ቡዝዮም።

ሕቶ፤ ቀዳመይቲ ሕቶ ካሮል ንተሓጋግዚ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣምባሳር ናጅ፡ ብዛዕባ ዘለዎ ገማግም ኢትዮጵያ፡ እሞ ድማ እታ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፋ ከም ዘለዋ እትግለጽን ዝነበረ ኢትዮጵያ ናብዚ ክትበጽሕ ትኽእል ኢልካ ገሚትካ ኔርካ? ዝብልዩ።

ኣምባሳድር ናጅ፤ ኣይፋል፡ ከምኡ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ኣብ 2019 2020 ኣቢላ ኢትዮጵያ ኮኾብ ኣፍሪቃ’ያ ነይራ። ነቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ክትፈጥረሉ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ንምርኰስ ኔርና። እዚ ክብል ከለኹ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ኣእትየ’የ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ብኣረኣእያይ እዚ ዝተኸየደ ኲናት ኣብ ታሪኽ ሓደ ካብቶም ፍጹም ክህሉዉ ዘይነብሮም ኲናት’ዩ ክብሎ እደፍር።

ኣምባሳድር ቡዝ፡ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ታሪኽ ኢትዮጵያ ባዕሉ ክደጋገም እንከሎ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኢትዮጵያ ዘሕብንን ግሩምን ታሪኽ እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓያላት መራሕቲ’ሞ መብዛሕትኦም ኣብ ኲናት ምስ ወሰናስን ግዝኣቶም ወይ ድማ ባዕሉ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ሓይሊ ዝፍጠር ውድቀት’ዩ።

ስለዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘሎና ናይ ማእከል ሓይሊ ባዕሉ ክንህል እንከሎ’ዩ። ሃገሮም ከመይ ክትከውን ዝውስኑ ድማ እንኮ ኢትዮጵያውያን ጥራይ’ዮም። ናይ ብዙሓት ጎረባብቲ ኮኑ ኣፍሪቃውያን ተስፋ ወይ’ውን ማሕብረሰብ ዓለም ዘሎ ተስፋ ድማ እታ ሃገር ካብዚ ዘሎ ሽግር ብሰላም ክትሰጋገር’ዩ።

ሕቶ፤ ናብ ኣምባሳድር ናጅ ክምለስ። ኢትዮጵያ ብታሪኻ ሕብንቲ ሃገርያ። ዘይተገዝአት ሃገር ደኣ ትዅን እምበር፡ ሕጂ ግጭት ግን ብሄራት ንሓድሕድም ከም ትግራይ፡ ኦሮሚያን ኣምሓራን ወጥሪ ንርኢ ኣሎና። እዚ ካብ ምንታይ ትብል? ንስኻ ኣብኡ እንከለኻ ከምዚ ዝመስል ናይ ብሄር ምትፍናን ነይሩ ዲዩ?

ኣምባሳድር ናጅ፤ ከምቲ ኣብ ብዙሕ እዋን ዝጠቐሶ፡ ኢትዮጵያ እታ እንኮ ብዘይ ናይ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዶባታ ዝፈለየት ሃገር ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ’ያ። ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝኸደ ባህሊን ናይ ግዛኣት ታሪኽን ኣለዋ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሕ ውሽጣዊ ኲናት ርእያ’ያ። ኢህወደግ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ፈደረላዊ ስርዓት ተኺላ።

ብሄር-ተኰር ፈደራላዊ ስርዓታት ከም ስዊዘርላንድ ዝኣመሰላ ሃገራት ክስርሕ ይኽእል ይኸውን። ኣብኡ ምትፍናን ዘለዎም ህዝብታት ንሃብቲ እታ ሃገር ክማቓርሑ እንከለዉ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እንተ ርኢናዮ ግን ሃብቲ ዘይኰነስ ድኽነት’ዮም ክካፈሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ድማ ናብቲ ናይ ቅድም ኣሃዳዊ ስርዓት ክመልሶ ፈቲኑ።

ሕቶ፤ ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻ ክመጽእ። እዚ ዝመስል ናይ ብሄራት ምትፍናን ከመይ ኰይኑ ኢልካ ትግምት? ካብዚ ዘሎ ብኸመይ ክውጻእ ይኽእል ትብል?

ኣምባሳድር ቡዝ፤ ኣምባሳድር ኰይና ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ናብ ኵላተን ክልላት ክበጽሕ ዕድል ረኺበ ነይረ። ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር’ያ። ኣብ ቀረባ እዋን ንርእዮ ዘሎና ግን መራሕቲ ነቲ ብሄራዊ ምትፍናን ናይ ውልቆም ድጋፍ ንምርካብን ህዝቢ ንምኽሳብን የናኽሱዎ ምህላዎም’ዮ። ንጸገማት ኢትዮጵያ ኣጋዲዱ ዘሎ ከኣ እዚ’ዩ።

ኢትዮጵያ ዓባያን ብዙሕነት ዘለዋ ሃገርን ከም ምዃና መጠን፡ መለስ ዜናዊ ናይቲ ፈደራላውነት ሓሳብ ከምጽእ እንከሎ ነቲ ብዙሓነት ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ። ፍልልይካ ኣሚንካ ሓደ ሃገር ንምምስራ’ዩ ነይሩ እቲ ሓሳብ። ከምቲ ቲቦር ዝበሎ ግን እዚ ኣይሰርሐን። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ብሄራዊ ምትፍናን ፈጢሩ። ስለዚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ዘድልዮም ንፍልልያቶም ኣኽቢሩ ብሓደ ከንብሮም ዝኽእል ኣገባብ መርሓ ምንዳይ’ዩ።

ሕቶ፤ ናብ ኣምባሳድር ናጅየ። ናብ ሕጂ ንምጻእ። ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ናብ ኣዲስ-ኣበባ ክኣትዉ ቀሪቦም ኣለዉ። ኣህጉራዊ ማሕብረሰብ ዓለም ድማ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ይጽውዕ ኣሎ። እቲ ምትፍናን ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። ክልተ ወገናት ድማ ንሰላም ክዝትዩ ድሉዋት ኣይመስሉን። ኣብ ኣፈፌት ፍጹም ኲናት ሓድሕድ ኣሎና ትብል?

ኣምባሳድር ናጅ፤ ኣይመስለንን። ታሪኽ ኢትዮጵያ እንተ ርኢናዮ ከምዚ ዝምመስል ተርእዮታት ተደጋጋሚ ግዜ ኣጓኒፉ’ዩ። ከምቲ ዶናልንድ ቡዝ ዝጠቐሶ፡ ኣብ ኣፍደገ ኣዲስ-ኣበባ ኣለዉ ኣይብልን። ሕጂ ርሑቕ’ዮም ዘለዉ። ብቐንዱ ግን ሓይልታት ትግራይ ንኣዲስ-ኣበባ ክቆጻጸሩ መደብ ኣለዎም’ድዩ’ውን ንባዕሉ ካልእ ሕቶ’ዩ።

እቲ ካልእ ኣርእስቲ ድማ እቲ ዝብሃል ዘሎ ልፍንታዊ ግንባር’ዩ። ናይ ማዕረ ልፍንቲ ኣይኰነን። ከም ዝመስልኒ እዚ ናይ ህወሓትን ከምቲ ቀደም ንስርዓት መንግስቱ ክኣልዩ እንከለዉ ዘመጽኡዎም በብይኖም ተቓወምቲ እዮም። ከም ዝመስለኒ ግን እዚ ኣብ ልዕሊ ኣዲስ-ኣበብ ጸቕጢ ንምፍጣር ሓደ ሜላ ክኸውን ይኽእል። ነቶም ሓያላት ሃገራት ከኣ ከም መጠንቀቕታን መዋገዪን ክሰርሕ ይኽእል’ዩ።

ሕቶ፤ ኣምባሳድር ቡዝ ከምኡ ድዩ ኣረኣእያኻ? እዚ ልፍንቲ ንዂናት ዘይኰነስ ንኣዲስ ኣበባ ብምጽጋዕ ጸቕጢ ንምፍጣር ኢልካ ትኣምን?

ኣምባሳድር ቡዝ፤ ምስ ርእይቶ ቲቦር እሰማምዕ’የ። ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ንምቍጽጻር ይዳለዉ’ለዉ ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ከምቲ ንደርግ ከውድቑዎ እንከለዉ ብዘይ ኲናት ንኣዲስ ኣበባ ዝሓዙዋ ኣይመስለንን። ደርግ ኣዝዩ ተጸሊኡ ስለ ዝነበረ ብሓፈሻ ካልእ ሓይሊ ሰብ ብጽቡቕ’ዩ ተቐቢሉዎ።

ሕጂ ከምኡ ዘይምዃኑ ግን ንባዕላቶም’ውን ተረዲኡዎም ኣሎ። ስለዚ ከምቲ መንግስቲ ኣፍደገታት ዓጽዩ ቀረባት ዝኸልኦም፡ ንሳቶም’ውን መገዲ ጂቡቲ ንምዕጻው ዝዓለሙ ይመስሉ። ኵሉ ቁጠባ እታ ሃገር ብመስመር ጁቡቲ ስለ ዝመጽእ ንሳ እታ ወሳኒት’ያ።

ሕቶ፤ ሓያሎ ልኡኻት ከምእኒ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ፈልትማን፡ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆን ማርቲን ግሪፍስን ናብቲ ቦታ ክበጽሑን ከቀራረቡ ክፍትኑን ርኢና ኣሎና። ዛጊት እንታይ ውጽኢት ኣለዎ?

ኣምባሳድር ናጅ፤ ከምቲ ቡዝ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ውሽጢ’ዩ ክመጽእ ዘለዎ። ዋላ’ኳ ልዕሊ 100 ዝበጽሑ ኣዝዮም ምኵራት ልኡኻትን ሸምገልቲን ክህልዉና ይኽእሉ’ዮም። ክሳብ ሕጂ ብምዕራብ ዝቐርብ ዘሎ ጸቕጢ እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣይሃበን። ዳርጋ ኵላተን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ርእይቶ ደኣ ይሃሉዋ እምበር፡ ገና ካልኦት ዘይተሓወሳ ግን ኣለዋ። ንኣብነት ብፕረሲደንት ኦባሳንጆ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ባርኾት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሓንቲ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ከም ቱርኪ እንተ ዝውሰኾ ዓቢ ውጽኢት መምጽአ። ጉዳይ ቻይና ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ሕጂ ግን ስቕ ኢሎም’ዮም ዘለዉ። ካልእ ካብቲ ዘተ በዂሩ ዘሎ ድማ ናይ ህዝቢ ርክባት’ዩ። ካልኦት ከም በዓል ቱርኪ ዝመስላ ሃገራት’ውን። እዚ ዝመስል ሓባራዊ ርድኢት እንተ ዝንበር እቲ ኲናት ሎሚ ምተፈትሐ።

ሕቶ፤ ጽቡቕ መልሲዩ። ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻ ክምለስ። ብዛዕባቶም ብዙሓት ንምሽምጋል ዝፍትኑ ዘለዉ እንታይ ትብል? ንስኻ ዘድሊ ውጽኢት ኣየምጽኡንዮም ዝብል እምነት ድዩ ዘለካ? ከምዚ ጸሓፊ ናጅ ዝበሎ ምናልባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቻይናን ምናልባትውን በዓል ቱርኪን ማእከላይ ምብራቕን ዘሳተፈ ልፍንቲ ክኸውን ኣለዎ ዲኻ ትብል? ብሕልፊ ድማ ምትእትታው ሃገራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ግጭት ኣብ ምግፋሕን ምጽባብን ክህሉዎ ብዛዕባ ዝኽእል ተራ እንታይ ትብል?

ቡዝ፤ ምስ ሓሳብ ቲቦር እሰማምዕ’የ። ብፍሉይ ልኡኽና ጀፈሪ ፈልትማን ጽቡቕ ስራሕ’ዩ ተሰሪሑ። ፕረሲደንት ኦባሳንጆ ቅድም ክብል ዝሰርሖም ጽቡቓት ስራሓት’ውን እፍልጦም’የ። እዚ ግን ንኢትዮጵያ ንምእማኖም ኣኻሊ ኣይመስለንን። ምናልባት ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ኵሩዓትን ናጻን ምዃኖምን ንናይ ደገ ምኽሪ ብቐረባ ዝቕበሉ ዘይምዃኖምን ምዝኽኻር ኣድላዪ ይመስለኒ። ሓንሳብ እንተ ኣልዒሎም ዝምለሱ ኣይኰኑን። ስለዚ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ካልእ ከድልየና’ዩ።

ሓደ ዝለመድናዮ ኣገባብ እንተ ዘይሰሚዖም እገዳ ንገብረሎም ዝብል’ዩ። ብውልቂ እገዳ ክንገብር’ውን ፈተነታት ጌርና ኢና። ናይ ውልቀሰባት ሃብቲ ወይ ድማ ናይ ጕዕዞ እገዳ ምግባር ግን ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ሓሳባቶም ክቕይሮም ዝኽእል ኣይመስለንን። ካልእ’ውን ስምምዕ ኣጎዋ ስሒብናዮ ኣሎና። እዚኣቶም ምልክታት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ተመኵሮይ ከም ዝረኣኹዎ ግን ልዕሊ ሓለፋታት ምምላስ ምኽልካልን ምሕዳግን ክቐልል ይኽእል’ዩ። ዳሕራይ ናብ ውሑስ መገዲ ክትጓዓዝ ምስ ደለየት ከኣ ኢትዮጵያ ሓገዝና ከድልያ’ዩ። ናይ ሕጂ ዘድሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ እንድዩ፡ ንሱ ምስ ገበሩ ድማ ቀልጢፎም ናብ ንቡር ዝምለሱሉ እዋን ክህሉ ተስፋ እገብር።

ካልእ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክንዛረበሉ ዘሎና ናይ ኤርትራ’ዩ። ሓደ ካብቲ ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ትግራይ መጥቃዕቲ ምስ ገጠሞ መንግስቲ ዝገበሮ ግብረ-መልሲ’ዩ። እዚ ንኤርትራ ኣካል’ቲ ኲናት ከም እትኸውን ገይሩ።

ሓቂ ንምዝራብ ከኣ ኤርትራ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ትሃርም ኣላ። ፈለማ ምስ መቀናቕንቶም መሪሕነት ትግራይ ዝነበሮም ቂም ሕነ ዝፈድዩሉ እዋን መጺኡዎም። ካልኣይ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣዳኺሞም ንሳቶም ጸብለል ኢሎም ይወጹ ኣለዉ። ኤርትራ’ውን ብቐሊል ዝሰምዑ ኣይኰኑን። ፈጺሞም ዝዕጸፉ ኣይኰኑን። ኣብዚ ኲናት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ምጽዋቶም ግን ክንዝጋዕ የብሉን።

ሕቶ፤ ብዛዕባ ተራ ኤርትራ ንኽምለስ ንኣምባሳድር ናጅ ዕድል ክህቦ። ምቍራጽ ተጻብኦታት ከይግበር ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊታ ትብል? ምስ መሪሕነት ትግራይ ዝነበሮም ቅርሕንቲን ሕጂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘለዎም ዝምድናን ኣብ ግምት የእቲኻ።

ኣባምሳድር ናጅ፤ ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ንግሆ ተንሲኡ እንታይ ፖሊሲ ከም ዝውስን ዝፈልጥ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ካልእ ዝገመቶ ኣይነበረን። ምስቲ ዶናልድ ዝበሎ ምሉእ ብምሉእ እሰማምዕ’የ። ኲናት ኢትዮጵያ፡ ብዓይኒ ኤርትራ ኲናት ትግራይ ምስ ኤርትራ’ዩ ነይሩ። ሰራዊት ትግራይ ንሰሜናዊ እዚ ምስ ኣጥቅዑ ድማ ኢሳይያስ ጽቡቕ ዕድል ረኺቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽግልብጥ’ዩ ናብቲ ኲናት ኣትዩ።

ስለዚ እቲ ምጅማር ኲናት ንኢሳያስ ሕነኡ ዝፈድየሉ ዓቢ ዕድል’ዩ ነይሩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ቅድም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣንጻር ሲቪላዊ ዕላማታትን ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝዀነ።

ሕቶ፤ ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻየ። ነዚ ኣብ መንጎ ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ክግልብጥ ዝጽዕር ዘሎ ህወሓትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዘሎ ምትፋንና ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ተራ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ይኸውን? ተራ ካልኦት ጸለውቲ ሃገራት ከም ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኸሊጅን ቱርኪን እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ቡዝ፤ ከም ዝመስለኒ እቲ ዓንኬልን እንተ ገፊሑ እቲ ጽልዋኡ’ውን ብማዕረ ክዓቢ ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ግን ሓደ ካብቲ ጽልዋ ክትገብረሉ ኣዝዩ ዘጸግም’ዩ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ምናልባት ኣበየናይ ወገን እገዳ ንገብር ኢልና ክንሓስብ ኢልና ንሓስብ እንተዄንና፡ ንኻልኦት ጸለውቲ ወገናት እንተ ጸንቢርና፡ ንኤርትራ ጸቕጢ ክንፈጥረላ ንኽእል ንኸውን። ሓቂ ንምዝራብ ግን ኣብኡ’ውን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ልዑል ተስፋ የብለይን።

ሓደ ንጽልዋ ኤርትራ ክኣልዮ ዝኽእል ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ኢትዮጵውያን ብሓደ ተጠርኒፎም ጉዳይ ሃገሮም ክፈትሑ ምስ ዝኽእሉ’ዩ። ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ምብጻሕ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይዛረብ ኣሎ። እቲ ካልእ ግዜ ዘይህብ ፍጻመ ግን እቲ ብሄራዊ ኲናት ግዜ እናወሰደ ብዝኸደ፡ ቍስሊ ንምሕዋይን ንምዕራፉን ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ክሓትት’ዩ።

ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምዕባለ እተርኢ ዝነበረት ሃገር’ያ። ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ክንዲ ኲናት ናብ ሰላማዊን ውሑስን ናብራ ክምለሱ’ዮም ዝደልዩ። ኣብ ክንዲ ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ድማ ጸጋታቶም ከመይ ገይሮም ብሓባር ይሃንጹ ከውዕሉዎ ከድልዮም’ዩ።

ሕቶ፤ ሕቶይ ንጸሓፊ ናጅያ። ብዛዕባ ናይ ለውጢ ሰብ ተባሂሉ ሽልማት ኖበል ዝወሰደ ቀልጢፉ ናብ ወልቀ-መላኺ ዝተለወጠ ቀደማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክሓተካ። ከም መራሒ መጠን ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ተራ ዘለዎ? ንዘተ ድሉይ ዘይምዃኑን ነዚ ኲናት ኣብ ምዕራፍ ወሳኒ ተራ ዘይምጽዋቱን?

ናጅ፤ ብዛዕባ ኣቢይ ጸኒሐ ክዛረብ’የ። እቲ ዶን ዝበሎ ሰብኣዊ ወገን ዓቢ ኣቓልቦ ዘድልዮ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ተወላዶ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ካብ ቀንዲ ኣርእስቲ ከም ዝወጽእ ገይሮሞን ኣዝዩ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ኣለዉን።

ቍሩብ ንምውሳኽ ግን ብዘይካ ብዘይካ ናይ ኦብሳንጆ ልኡኽ፡ ግን ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ተራ እንተ ዝህሉዎም ጽቡቕ ነይሩ። ንመራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ካልኦትን ዘሳተፈ ዘተ’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ምሃለዎ።

ናብ ኣቢይ ንምምላስ ግን ፈለማ ሽልማት ኖበል ምስ ወሰደ ኣዝየ ሕጉስ’የ ነይረ። ዳሕራይ ግን ፈጺሙ ኣንፈቱ ቀዪሩ።

ሕቶ፤ ናይ መወዳእታ ቃል ክትህብ ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻየ።

ቡዝ፤ ኣብዛ ቲቦር ዝበላ ተራ ናይ ዲያስፖራ እሰማምዕ’የ። ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት እናመጹ ሰልፊ ከካይዱ ዓመት ገይሮም። እዚ ዓመት ሰልፊ ዝገበሩ ዝነበሩ ተጋሩ ኰይኖም ኣንጻር ኣቢይ’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ሓደ ሰልፊ ፈጢሩ፡ ኣሃዳዊ መንግስቲ ክመልስ ፈቲኑ። እዚ ግን ዘስርሕ ኣይመስልን። ስለዚ ከኣ’ዮም ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ብዛዕባ ሃገሮም ክዛተዩ ዘድልዮም። ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ክሕግዞም

XS
SM
MD
LG