ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ልዕሊ ሰላማዊ ተቓወምቲ ዘኻይዶ መጥቓዕቲ ደው ከብል ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር ጸዊዔን


ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር
ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ተቓወምቲ ዘኻይዶ መጥቓዕቲ ደው የብል ክብላ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር ጸዊዔን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሓሓዝዎ ዘሎ ብጅምላ ምሕፋስን ምእሳርን ደው ንኽብል ዝጸወዓ እተን ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፋ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ዝተአሰረት አባል ተቓውሞ ብሌን መስፍን እንደገና ከምዝተአሰረት ጠቂሰን'ለዋ።

እተን ኣምባሰደር ብቲዊተር አብ ዘመሓላለፋ መልእኽትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ዓፈና ኣየዋጽዖን እዩ ንባዕሉ’ዩ ዝጎድእ ኢለን’ለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG