ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ሃገራት መጥቓዕትታት ንምፍፃም ብዕቱብ ይትልም ኣሎ ተባሂሉ።

ብዓል ስልጣን በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ከምዝበሎ ኣብ ኬንያን ኣብ ኢትዮጵያን መጥቓዕትታት ንምፍፃም ናብ ሃገራት እቲ ዘቦ ብምስፍሕፋሕ ፍሉይ ወታደራዊ ሓይሊ ከምዝመስረተ ሓቢሩ።

‘’ኣል-ሸባብ ናይ ሃገራት ስግኣት ፀጥታ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል 53 ገፅ ዝሓዘ ፀብፃቡ ኢጋድ ዋላ’ቀንዲ መደብር ኣል-ሸባብ ሱማሊያ ኮይኑ እንተቐፀለ እውን መንነቱን ድልየታትን ግን ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ደንበ ናብ ዝንቀሳቐስ ውድብ ተሰጋጊሩ’ይብል።

XS
SM
MD
LG