መራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔ በቲ ኣሜሪካ ዝሓለፈ ሶኒይ ዝፈፀመቶ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተቀትለ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ።
ቀ/ሚ ሶማልያ ዓብዲዋሌ ሸኽ ኣሕመድ ንቪኦኤ ቋንቋ ሶማልኛ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ሓቂ‘ዩ ጎዳኔ ተቀቲሉ‘ሎ ኢሎም።
“እወ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔ ሞይቱ‘ሎ።ኣብ ታሕታዋይ ሸበሌ ጥቃ ገፀር ሃዋዪ‘ዩ ተቀቲሉ።ሞት ጎዳኔ ንውግእ ፀረ ኣል-ሸባብ ወሳናይ ምዕራፍ‘ዩ። መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ምቅታል ጎዳኔ እጃም ነይሩዎ“ ኢሎም።
ናይ ሶማልያ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብወገኖም፣ሞት ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔ፣ኣባላት ኣል-ሸባብ ጎዳና ሰላም ንክስዕቡ ፅቡቅ ዕድል ፈጢሩሎም‘ሎ ኢሎም‘ለው።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔ ከምዝተቀትለ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣረጋጊፁ።
ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት(ዋይት ሃውስ) ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ኣሕመድ ጎዳኔ በቲ ኣብ‘ዚ ቅነ’ዚ ዝተፈፀመ ደብዳብ ከምዝተቀተለ ምንስቴር ምክልኻል ኣረጋጊፁ‘ሎ ይብል።
ጎዳኔ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት መራሒ ኣል-ሸባብ‘ዩ ነይሩ።ኣሜሪካ ብወገና ነቲ ሰብ‘ቲ ናይ ኢዱ ንክረክብ ንዝሓገዘ ሰብ፣ሸውዓተ ሚልዮን ዶላር ክሽልም‘የ ከምዝበለት ዝዝከር‘ዩ።
ዋይት ሃውስ፣ሞት ጎዳኔ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ መሻርኽቲ ኣል-ቃይዳ ዝኾነ ኣል-ሸባብ ከቢድ ኪሳራ‘ዩ ክብል ገሊፅዎ‘ሎ።