ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣል-ሸባብ ዝሕግዝ ዘሎ መን'ዩ?


ገለ ሚድያታት ኬንያ ናብ ኤርትራ የቓምታ፣ሚ/ወፃኢ ኤርትራ ግና ይነፅጎ

ኣፅዋራት ናብ ኣል-ሸባብ ዝፃዓና ነፈርቲ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ናብ ሶማልያ ከምዝኣተዋ ሰራዊት ኬንያ ከምዝገለፀ ዝዝከር‘ዩ።እቲ ዘይተፃረየ ዜና፣ ነቲ ኤርትራ‘ያ ነቶም ምልሻታት ተዕጥቆም ዘላ ዝብል ጥርጣረ ኣርሲንዎ‘ሎ።ምንስቴር ወፃኢ ኤርትራ ግና፣ነቲ ሓበሬታ ይነፅጎ።

ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ተዕጥቅ ኣላ ዝብል ፅሑፍ ጋዜጣ ኣብ‘ዚ ሰሙን ከምዝወፀ ዝዝከር‘ዩ።እዚ ዜና‘ዚ ጥር ዝብል ሓቂነት ኣለዎ‘ዶ? ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኣል-ሸባብን ዝፀንሐ ታሪኻዊ ዝምድና‘ከ እንታይ ይመስል? ንዝብል ሕቶ ኣቶ ረሺድ ክምልስ ከሎ፣

“ከምዝመስለኒ እቲ ቀዳማይ ነጥቢ፣ነቲ ሓቤሬታ ካብ ናፃ ወገን ንክተረጋግፅ ኣፀጋሚ ምኻኑ‘ዩ።ኣብ‘ዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፣ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትሕግዝ፣ተዕጥቅን ተዕልምን ከምዝነበረት ግና ዝጠራጠር ሰብ የለን” ይብል ኣብዲ።

ናይ ወፃኢ ሓይሊ ናብ ሶማልያ ክኣቱ ከሎ፣ኣል-ሸባብ ሓያል ደገፍ ይኸስብ ከምዝነበረ ዝዝከር‘ዩ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ‘ከ ታሪኽ‘ዶ ይድገም‘ሎ? ንዝብል ሕቶ ሚስተር ኣብዲ ”ብምኽንያት ሰራዊት ኬንያ ናብ ሶማልያ ዝገበሮ ወፍሪ፣ኣል-ሸባብ ከሲቡ‘ዶ ኣይከሰበን ኢልካ ንምዝራብ ተወሳኺ ጊዜ የድልይ‘ዩ።ግን ጣልቃ-ምእታው ኬንያ እንተተናዊሑን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝወርድ ሞት እንተንሂሩን ግና፣ሚዛን ናብ ኣል-ሸባብ ከዛዝው ይኽእል‘ዩ” ዝብል ሪኢቶ ይህብ።

ብካልእ ወገን፣ሕሉፋት ውግኣት ሶማልያ ንረብሓ ካልኦት ሃገራት ዝካየድ ናይ ኢድ-ኣዙር ውግኣት‘ዮም እናተባሃለ‘ዩ ዝጥቀስ ነይሩ።እዚ ናይ ሎሚ ውግእ‘ከ ተመሳሳሊ መግለፂ ኣለዎ‘ዶ? እቶም ተዋሳእቲ‘ከ መን‘ዮም? ይብል ናይ ጋዜጠኛ ጌብ ጃስሎው ሕቶ።ሚስተር ኣብዲ ይምልስ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ንናይ ኬንያ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክቃወሙ ከለው፣ ቀዳማይ ምንስትር ግና ኣብ ጎኒ ኬንያ ኢና ምባሎም ዘለዎ ትርጉም ኣማእኪሉ ሚስተር ረሽድ ኣብዲ ሪኢቶ ክህብ ከሎ፣ፕረዚደንት ሸኽ ሸሪፍ ሰራዊት ኬንያ ንዝጀመሮ መጥቃዕቲ ከምዝድግፉ እንተገሊፆም፣ንነቀፋ ኣባላት ፓርላማ ሶማልያ ዝተቃልዑ ከምዝኾኑ ስለዝፈልጡ‘ዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG