ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ኣልሸባብ ቦምብ ብምጽዋድን ቶኽሲ ብምኽፋትን መጥቃዕቲ ፈጺሞም


ፋይል
ፋይል

ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ናይ ወሰን ማይ ቤት ምግቢ ኣብ መኪና ቦምብ ብምፅዋድን ቶኪሲ ብምኽፋትን መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙ ኣማሲዩ ዝበፅሐናዜና ሓቢሩ።

‘’ብቦምብ ዝተመልአት መኪና ኣብ መእተዊ እቲ ቤት ምግቢ ተተኲሱ ክልተ ኣጥቓዕቲ ናብ ውሽጢ ብምእታው ምስ ናይቲ ቤት ምግቢ ሰራሕተኛታት ፀጥታ ቶኽሲ ከምዝገጠሙፖሊስ መኮነን ኣደን መሓመድ ሓሳን ገሊፁ።እቶም ኣጥቓዕቲ ዝተቐትሉ እውን ይመስል ኣሎ ኢሉ’ሎ።ዝርዝር ዝበፅሐ ሞት ግን ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ብኻልእወገን​ ​ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ብሰንኪ ካብ ሰበስልጣን ፀጥታ ኬናይ ይበፅሖም ዘሎ ምፍርራሕ ካብታ ሃገርይወፁ ከምዘለው ኣፍሊጡ።

ካብ ዓለም ዝዓበየ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ ኬንያ ይርከብ።ልዕሊ 300 ሽሕ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ይነብሩ።ሰበስልጣን ኬንያ ስግኣት ፀጥታ ብምጥቓስ ነቲ መዕቖቢንምዕፃው ኣብ ምጥንቃቕ ይርከቡ።

ዳዳብ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት UNHCR ዝሰርሑ መሓመድ ማሓድ ጉርሃም ብዙሓት ስድራታት ንህይወቶም ብምስጋእ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይምዝገቡ ኣለው ኢሎም።

XS
SM
MD
LG