ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሶማል፤ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ፈሺሉ” ሚ/ሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ


ዳሎው ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ወገን ሶማል፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝመጽኦም መጥቃዕቲ ብምፍሻል ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ዓቢ ሓደጋ ከም ዘድሓኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብትዊተር ገሊጹ።

እቲ ናይ ሎሚ ንግሆ ዘጋጠመ ፈተነ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምንባሩ ነበርቲ’ውን ካብቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ተፈንጃሪ ቦምባ ዝጸዓና መካይን ምልኣኾም ገሊጾም።

ኣባላት ጸጥታ ምልክልኻል ሶማል፡ ነተን ቦምባ ሒዘን ዝመጽኣ ዝነበራ መካይን ናብ ዕላማአን ቅድሚ ምብጻሐን ሃሪሞም ከም ዘፍሸሉወን ሓቢሮም። እቲ ዜና ወሲኹ፡ እተን መካይን ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ በጺሐን ዝዓበየ ዕንወት ከስዕባ መደብ ከም ዝነበረን ጠቒሱ።

መንግስታዊ መራኸቢታት ሶማል በቲ ምፍንጃር ሓደጋ ኣርባዕተ ወታሃደራት ምቝሳሎም ኣመልኪቱ'ሎ።

ጕጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኡጋንዳ ብዝግበሮ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 54 ካብቶም ወታሃደራት ምቕታሎም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG