ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ሽዱሽተ ዜጋታት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም


በለድ-ሃዎ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ሶማል፡ ብኣልሸባብ ምፍጻሙ ዝጥርጠር ናብ ሎሚ ዘውግሐ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሽውዓት ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ሽዱሽተ ካብኣቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ሰብ-መዚ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ሽዱሽተ እቶም ግዳያት ተወላዶ ብሄረ ኦሮሞ ምዃኖም ዘመልከተ መግለጺ፡ ካልኦት ሽዱሽተ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ምቝሳሎም ገሊጹ። ካብቶም ዝሞቱ ብድምሩ ክልተ ሰብኡት ክዀኑ እንከለዉ እተን ዝተረፈ ደቀንስትዮ’የን።

እቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብታ ከተማ ኣብ ስራሓት ንግዲ ዝተዋፈሩ ኰይኖም፡ እቲ ብኣልሸባብ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣልማም ምንባሩ ሰብ-መዚ ገሊጾም።

ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ብሞተር ብሽኽለታ ገይሮም ናብቲ ኣልሸባብ ዝዕቆቡሉ ከባቢ ምህዳሞም ካብ ፈነወ ቋንቋ ሶማል ናይ ድምጺ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የርድእ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG