ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልማዝ ኣያናን ኡሰይን ቦልትን ምሩጻት ኣትሌታት ዓለም


ኣልማዝ ኣያናን ኡሰይን ቦልትን
ኣልማዝ ኣያናን ኡሰይን ቦልትን

ኣብ ሰለስተ፣ ሓሙሽተን ዓሰርተን ሽሕ ሜትራት ኣንጸባራቂ ዓወታት ዘመዝገበት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና፣ ምስ ኣብ ሓደን ክልተ ሚእቲ ሜትሮ፣ ከምኡውን ኣርባዕተ ሚእቲ ቅብብል ዱላ ኣብ ሰለስተ ኦሎምፒካት ሜዳልያ ወርቂ ዝተዓወተ ጀማይካዊ ኡሰይን ቦልትናን ሎም-ዘበን ከዋኽብቲ ኣትሌታት ዓለምና ተባሂሎም ብዓለም ለኸ ፌደረሽን ኣትሌትክስ ተሸሊሞም።

ኣልማዝ ኣያና ናብ’ዚ ክብሪ’ዚ ዝበቅዐት፣ ኣብ ዶሃ ኣብ ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ፣ ኣብ ራባት ሞሮኮ፣ ሮማ ጣልያን፣ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ፣ ኣብ ብራሰልስ ቤልጀም ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ፣ ኣብ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ድማ ኣብ መድረክ ኦሎምፒክ ሪዮ ብራዚል ብዘመዘገበቶም ዓወታት’ዩ።

ጀማይካዊ ኡሰይን ቦልት ብወገኑ፣ ኣብ ሓደ፣ ክልተን ኣርባዕተ ብሚእቲ ቅብብል ዱላ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ብመሰረት ዘመዝገቦ ዓወት’ዩ ተሸሊሙ።

ናብ ካልእ ዜና ኣትሌትክስ ክንሰግር፣ ኢትዮጵያዊ የማነ ጸጋይ ኣብ’ቲ ፉኮካ ጃፓን ዘተኣናገደቶ ጉያ ማራቶን ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊቱ።

ኬንያዊ ፓትሪክ ማካኡ ካልኣይ፣ ጃፓናዊያን ዩኪ ካዋቺን ሃያቱ ሶኖዳን ሳልሳይን ራብዓይን፣ ኤርትራዊያን ኣማኑኤል መሰልን ያሬድ ኣስመሮምን ሓምሻይን ታሽዓይን።

XS
SM
MD
LG