ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣላማጣ ቀፂሉ ንዝበሉዎ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ዝቓወሙ ነበርቲ ሰልፊ ኣካይዶም


ከተማ ኣላማጣ - ፋይል
ከተማ ኣላማጣ - ፋይል

ነበርቲ ከተማ አላማጣ "ዕጡቓት ህወሓት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ኣለው’’ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ትማሊን ብቕድሚ ትማልን ንኽልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ተቓውሞ እቶም ነበርቲ "ቅትለትን ዓፈናን ጠጠው ይበል’’ ክብሉ ሓቲቶም።

ብክልል ኣምሓራ ናይ በጀትን ሞያን ደገፍ ዝግበረሉ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ንድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ከም ዝገለፆ ዕጡቓት ህወሓት ነቲ ከባቢ ካብ ዝቆፃፀሩ ክልተ ኣዋርሕ ንደሓር ኣብ ከባቢታት ኣላማጣን ኮረምን ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ልዕሊ 20 ሰባት ድማ ተዓፊኖም ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥን ሓቢሩ። እዚ ብኻልእ ናጻ አካል ኾነ ብድምፂ ኣመሪካ ኣይተረጋገፀን።

ካብ ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን ይኹን ካብ ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ይኹን እምበር ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ቅድሚ መዓልታት ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ‘’ምስ ሓይልታት ፌደራል ብምዃን ንውዕል ፕሪቶሪያ ነፈፅም ኢና ዘለና። ኣብቲ ከባቢ እዚ እዩ ዝብሃል ፀገም ፀጥታ የለን። ንሰርሕ ዘለና ፀገማት ከይፍጠሩ እዩ" ምባሎም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG