ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውድድር መላእ ስፖርት ኣፍሪቃ ዝሳተፉ ዘለው ኤርትራውያን ተዓወቲ ወርቂ ብሩር መዳልያ ተሸለምቲ ኮይኖም


All africa Tt women
All africa Tt women

ኣብ ውድድር መላእ ስፖርት ኣፍሪቃ ዝሳተፉ ዘለው ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመን ሞሳና ደበሳይን ኣብ ናይ ብሽክለታ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳሞት ኮይኖም ብምውጽኦም ወርቂ መዳልያ ተሰሊሞም። ተቐዳዳሚት ወሓዚት ኪዳነ ድማ ተሰላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና።

ተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመን ሞሳና ደበሳይን ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝተሰርዐ ናይ ግዜ ውድ ድር’ዮም ቀዳማይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞሞ።

ተቐዳዳማይ ሜሮን ተሸመ ነቲ ዝተሰርዐ 12.5 ኪ.ሜ ውድድር ብ15 ደቒቕ ፈጺምዎ። ብተመሳሳሊ ሞሳና ደበሳይ ነቲ ዝተሰርዐ ውድ ድር ብ 18 ደቒቕ ፈጺማቶ። ተቐዳዳሚት ወሓዚት ኪዳነ ድማ ካብ ሞሳና ደበሳይ ብ ሓሙሽተ ካልኢት ድሒራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድ ድር ብምፍጻማ ተሰላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ መጒዓዝያ ብዝተሓሓዘ ጸገማት ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዝተሰርዐላ ውድድር ከተርክብ ኣይከኣለትን። ኣብቲ ብTTT ዝፍለጥ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ተዓዊታ።ተሰላሚት ነሓስ መዳልያ ድማ ኮይና።

ናይ ሎሚ ዓመት ውድድራት መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪልዩ ዝካየድ ዘሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርህነ፡ ሎሚ ዓርቢ 11 መስከረም ኣብ ዝተቓንዐ፡ መበል 19 መድረኽ ቮልታ ስጳንያ፡ መበል 13 ደረጃ ብምሓዝ ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ብተመሳሳሊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ክለብ CT2020 ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር፡ ሎሚ ዓርቢ 11 መስከረም ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ ካልኣይ መድረኽ ጂሮ ዴላ ሬጅዮነ ፍሪዩሊ ቨነስያ ጁልያ፡ ካብ ተዓዋቲ ናይ'ዚ ቅድድም ኦስትርያዊ ፌሊክስ ግሮብሻንትነር 10 ካልኢታት ጥራይ ድሒሩ ሓሙሻይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

XS
SM
MD
LG