ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዘተ ሰላም ይካየድ” ሮይተርስ


ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝርርብ ዘተ ሰላም ሎሚ ኣብ ታንዛኒያ ክጅመር መደብ ወጺኡ ኣሎ። ኣብ መንጎ’ቲ ዕጡቕ ጕጅለን መንግስቲን ዝርርብ ክካየድ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሰንበት ፈለማ ዘፍለጡ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ውድብ’ውን ብተመሳሳሊ ንዘተ ዘለዎ ቅሩብነትን መንጎኝነት ሳልሳይ ኣካልን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝርዝር ናይቲ ከይዲ ሰላም ኣይሃበን። ስሞም ክጥቀስ ንዘይደልዩ ናይ ቀረባ ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ ግን ናይ መንግስቲ ልኡኽ ብኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ዝምራሕ’ዩ። እቲ ዝርርብ ሰላም ኣብ ደሴት ዛንዚባር ምዃኑ’ውን ሮይተርስ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝሳተፉ ዛጊት ኣይተሓበሩን።

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሰራዊት መንግስቲን ጎረባብቲ ክልላትን ብዝውላዕ ተደጋጋሚ ጎንጽታት ንህይወት ኣማኢት ወሲዱ፡ ኣሽሓት ኣማዛቢሉ’ዩ።

XS
SM
MD
LG