ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንጽልኢ ዘጋድዱ ዘረባታት ደው ዘብል ሜላ ከናድዩ በዓል መዚ ሕ/ሃ ጸዊዔን


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ አማኻሪት ምኽልኻል ምፅናት ዓሌት ኣሊስ ዋሪሙ - ፋይል
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ አማኻሪት ምኽልኻል ምፅናት ዓሌት ኣሊስ ዋሪሙ - ፋይል

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ አማኻሪት ምኽልኻል ምፅናት ዓሌት ኣሊስ ዋሪሙ: ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንፅልኣት ዘጋድዱ ዘረባታት ካብ ምልውዋጥ ጠጠው ዘብል ሜላ ከናድዩ ኣተሓሳሲበን።

ፅልኣት ዝሰብኩ ዘረባታት ዘጋደድዎ ኲናት ሰራዊት ፌደራል መሻርኽቶምን ኣንፃር ሓይሊታት ትግራይ ዝዓለመ ኲናት ክብገስ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ክብል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣፃራዪ ምፅናት ዓሌት ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣሊስ ዋሪሙ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ብኹሎም ፖለቲካውያን መራሕቲን ዕጡቓት ሓይሊታት ትግራይን ዝዝረቡ ፅልኣት ዘጋድዱ ተባራዕቲ ቃላት “ቀፃልነት ዘለዎምን ከበድቲ” ክብላ ይገልፀኦም። ንሰን ወሲኸን ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብዝተገብረ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ውግእ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምብሓድሽ ቀፂሉ: ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይዋግኡ ምህላዎም ገሊፀን።

“መብዛሕትኡ ጊዜ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ዝዝርግሑ ዘረባታት ኣለዉ። ንዝተወሰኑ ጉጅለታት ብምንእኣስን ክጠፍእ ምስ ዝግበኦ ቫይረስ ብምምስሳል ሰብኣውነት ዝጎደሎም ኣገላልፃታት፣ ምስ ‘ካንሰር’ ብምምስሳል “ሓደ ዋህዮ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንተዘይረኺቡ ናብ መላእ ኣካላትና ይብተን” ብምባል “መናእሰይ ትግራይ ክቕተሉ”ዝፅውዑ ኣዝዮም ሓደገኛታት ዘረባታት ምንባሮም አቲ መግለፂ ይጠቅስ።

ስለዝኾነ ድማ ትካላት ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ገፃቶም “ንምግላል፣ ንጽልኢን ዓመፃት ዘጋድዱ ናይ ፅልኣት ዘረባታት ካብ ምትእንጋድ ክቑጠቡን መሊኦም ጠጠው ዘብልሉን ኣገባባት ክጥቀሙ እቲ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።እቲ መግለጺ ወሲኹ “ዝያዳ ነቶም ዝፍፀሙ ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ክፍፀሙ ግደ መርበባት ኢንተርኔት ዝለዓለ እዩ” ኢሉ።

XS
SM
MD
LG