ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ንኩነታት ደርቅን ጥምየትን ካብ ዓለም ሓቢኡ ክብል ምኒስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ከሲሱ: ኤርትራ ግን ካብ ደርቂ ወጻኢ`የ ትብል


ኣብ ዝሓለፉ ስሳ ዓመታት ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ኣይፈልጥን ንዝተባሃለሉ ፅንኩር ደርቂ፣ህፁፅ መልሲ ንምሃብ ማሕበረሰብ ዓለም ይቀራረብ ከምዘሎ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።ንመንግስቲ ኤርትራ‘ውን ሓበሬታ ኩነታት ደርቂን ጥምየትን ኣብ ኤርትራ ዓፊኑ ኢሎም ከሲሶም።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤት ዕዮ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝተዋሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሊ 11 ሚልዮን ህዝቢ ተፀባያይ ህፁፅ ሓገዝ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕብር።

ነቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ፣ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ጆንይ ካርሰን፣ምክትል ምንስቲር ጉዳያት ስነ-ህዝቢን ስደተኛታትን ዶ/ር ሩብን ብርጌቲ፣ምክትል ሓላፊ USAID ሚ/ር ዶናልድ ስታይንበርገርን ረዳት ሓላፊ ጉዳያት ዴሞክራሲ፣ግጭትን ሰብኣዊ ደገፋትን ወ/ሮ ናንሲ ሊንድቤርግን‘ዮም።

ኣምባሳደር ጆኒ ካርሰን ኣብ ኢትዮዽያ ብውሑድ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን፣ ኣብ ሶማልያ ነቶም ናብ ኬንያን ኢትዮዽያን ዝሰግሩ ከይሓወሰ ፫ ሚልዮን፣ ኣብ ኬንያ ድማ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ኣድልይዎም‘ሎ ይብሉ።

ጆኒ ካርሰን፣ካብ‘ቲ ንምብራቅ ኣፍሪቃ ዝለበደ ክተምልስ ኣይትኽእልን ዝበልዋ ኤርትራ፣መንግስታ ዕፁው ስለዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ኣይተኻእለን ኢሎም።

”እቲ ጨቋኒ መንግስቲ፣ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ሰብኣዊ ጠለብ ሓበሬታ ንምልጋስ ቅሩብ ኣብ ዘይኮነላ ኤርትራ፣ብርክት ዝበሉ ረድኤት ዝፅበዩ ሰባት ክህልው ይኽእሉ‘ዮም።ናፃ ስግግር ሓበሬታ፣ሰባት ካብ ሓደጋ ቀልጢፎም ንክድሕኑ ዘኽእሎም ምርጫ ንክወስዱ ዓቅሚ ይፈጥረሎም። መንግስቲ ኤርትራ፣ነቲ ኣብ‘ታ ሃገር ዘሎ ጥምየትን ሕፅረት መግቢን ንምኹላፍ ምስ ሕቡራት መንግስታንን ዓለም-ለኸ ትካላትን ተሓጋጊዙ ንክሰርሕ ፃውዒትና ነቅርብ ኣለና” ኢሎም ጆኒ ካርሰን።

ነቲ ኣብ ሶማልያ ዝተኸሰተ ደርቂን ጥምየትን ዘጋደዱ ምኽንያት ኢሎም ጆኒ ካርሰን ዝጠቀስዎም ጠንቅታት፣ኣልቦ ጥቅዊ ማእከላይ መንግስቲን ህላዌ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲን’ዮም።ኣል-ሸባብ ካብ ዓሚ ጥሪ ጀሚሩ ናይ ወፃኢ ረድኤት ናብ ግዝኣቱ ንከይኣቱ ከምዝኸልከለ‘ውን ተገሊፁ‘ሎ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ፖሊሲኡ ሓቀኛ ለውጢ ኣተኣታትዩ ንሕናን ካልኦትን ብናፃ ክንንቀሳቀስ ዕድል ኣሎ እንተኾይኑ፣ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓገዛት ግብሪ ዘየንበረ እንተኾይኑ ምስ ዓለም-ለኸ ትካላት ንግምግም ኣለና ኢሎም።

ኣብ ቀንዲ ኣፍሪቃ ዝተኸሰተ ደርቂ፣ብሓፂሩ ዝፍታሕ ዘይምኻኑ ዝገለፁ እቶም ሰበ-ስልጣን፣ነባራይ ፍታሕ ንምርግጋፅ፣ምስ መንግስታት‘ቲ ዞባ ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ሚስተር ካርሰን ሓቢሮም።

ብUSAID ዝድገፍ ፊውስ ኔት ተባሂሉ ዝፅዋዕን ንጥምየት በረኻ ኣቀዲሙ ዘጠንቅቅ መርበብን ተመርኲዞም፣ዝሓለፈ ነሓሰ መግቢን ካልኦትን ቀረባትን ኣብ ጂቡቲ፣ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢታትን ምኽዛን ከምዝተጀመረ ተገሊፁ‘ሎ።ብመሰረት‘ዚ፣መንግስቲ ኣሜሪካ 4 ነጥቢ 4 ሚልዮን ንዝኾኑ ግዳያት 348 ሽሕ ቶን መግቢን 383 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኦም ቀረባትን የባፅሕ ከምዘሎ ሚስተር ስታይንበርግ ኣፍሊጦም።

ምንስቲር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ብወገኑ መንግስቲ ኤርትራ ንዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ኤርትራ ንክንቀሳቀሳ ከምዘይፈቅድን ኣብ ኤርትራ ደርቅን ጥምየትን ከምዘየለን ሓቢሩ።

ሙሉእ ቃለ ምልልስ ምስ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ መግለፂ ጆኒ ካርሰንን ኣዳምፁ።

XS
SM
MD
LG