ዋሽንግተን —
ኣልጀርያ ትማሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ንነዊሕ ግዜ ክትሃንጾ ዝጸንሐት መስጊድ ኣመሪቓ። ካብ 2010 ጀሚሩ ብትካል ህንጻ ቻይና ክህነጽ ዝጸንሐ 265 ሜትር ዝንውሓቱ መስጊድ ካብ ዓለም ዝነውሐ ጫፍ`ዩ። ካብ መሳጊድ ዓለም ሳልሳይን ዝዓበየን ካብ ቅዱሳት ከተማታት ውጻኢ ዝዓበየ ምዃኑን ን120 ሺሕ ሰባት ከተኣናግድ ዝኽእል ክፍልታት ከም ዘለዎን እቲ ዜና ይሕብር።
ዓቢይ መስጊድ ኣልጀርስ ዝብል መጸውዒ ዘለዎ መስጊድ ኣልጀርያ ትማሊ ሰንበት ብፕረዚደንት`ታ ሃገር ዓብደልማጂድ ጠቦን ዝተመረቐ ኮይኑ ኣብ ዝባኑ ሄሊኮፕተር ከይተረፈ ከዕልብ ዝኽእል`ዩ።
ኣብታ ሃገር ድሕሪ`ቲ ኣብ 1990ን ዝተኻየደ እስላማዊ ናዕቢ፡ ሓደ ማእከላይ ኣረኣእያ ዝሕዝ መስጊድ ክስራሕ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብ መደብ ዝጸንሐ ምዃኑ`ውን ተፈለጡ`ሎ።
ቅጥዒ